መራሕ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር ናብ ጁባ ተመሊሱ

መራሕ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር ናብ ጁባ ተመሊሱ

Radio Erena: 01 November 2018

Machar back homeመራሒ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር ናብ ከተማ ጁባ ከምዝተመልሰ ማዕከናት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢረን።

ንሱ ናብታ ርእሰ ከተማ ዝምለስ ዘሎ፣ መስርሕ ሰላም እታ ሃገር ግብራዊ ዝኾነሉ ዕለት ስለዝተቓረበ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር የመልክቱ።

ትግባረ ናይቲ ኣብ ወርሒ መስከረም፣ ኣብ ካርቱም ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተደናግዩ ከምዘሎ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር፣ ምምላስ ሬክ ማቻር ናብ ጁባ፣ ነቲ ሻቕሎት ቀንጢጥዎ ይርከብ።

ኣቐዲሙ ዝተኸተመ ስምምዕ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ንክልተ ዓመታት ካብ ጁባ ርሑቑ ዝጸንሐ ሬክ ማቻር፣ ሓድሽ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኮይኑ ስልጣን ክርከብ ትጽቢት ኣሎ።

 

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0