ፕረዚደንት በሽር ኣብ ቱርኪ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

ፕረዚደንት በሽር ኣብ ቱርኪ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 31 October 2018

Bashir and Erdogan

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ቱርኪ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ብ29 ጥቅምቲ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ብምርኻብ ኣብ ክልትኣውን ዞባውያን ጉዳያት ተመያይጡ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ዝተሃንጸ፣ ብደረጃ ዓለም ብዕብየቱ ምስ ቀዳሞት ዝስራዕ መዓርፎ ነፈርቲ’ውን መሪቖም ከፊቶሞ።

ቱርኪ ምስ ቀጠር ብምዃን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ወደብ ስዋኪን ናይ ሱዳን ንንግድን ወትሃደራውን መዓላታት ከገልግል፣ ናይ ምሕዳሱን ምስፍሑን መደባት ሒዛ ከምዘላ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ሱዳን ናብ ቱርኪ ዘምርሕ ዘሎ፣ ስዑዲ ዓረብን ቱርኪን ብጉዳይ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ ዝዋጠጣሉ ዘለዋ እዋን’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሱዳን ፈላምን ታሪኻዊን ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ፣ ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ዝነበረ ዝሕትሉ ዝምድና ከምዝበኣሰ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት በሺር ንፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምእንጋድ’ዩ ናብ ቱርኪ ገይሹ ዘሎ።

ግብጽን ቱርኪን፣ ብጉዳይ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል ኣብ ምስሕሓብ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ግብጺ ናይ ስዑዲ ዓረብ ጸግዒ ክትሕዝ እንከላ ቱርኪ ድማ ምስ ቀጠር ከምዝወገነት’ዩ ዝግለጽ።

ካብ ስዑዲ ዓረብ ጸቕጢ ክግበረላ ዝጸንሐ ሱዳን ግና ምስ ቀጠር ዝምድንኣ ከምዘይትበትኽ ብምርግጋጽ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ምትትትፍናን ብዕርቂ ክሃድ’ያ ትጽውዕ።

======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0