መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ጉዳይ ባድመ ከምዘይተዘራረቡ ተሓቢሩ

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ጉዳይ ባድመ ከምዘይተዘራረቡ ተሓቢሩ

Radio Erena: 30 January 2019

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብዛዕባ’ታ ኣውራ ምኽንያት መወልዒ ኵናት ዝኾነት ባድመ፣ ዝኾነ ዓይነት ዝርርብ ከምዘየካየዱ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ እትከታተል ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘ ሚኒስተር ሰመረ ርእሶምን ዝርከብዋ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኮሚሽን ቆይማ ከምዘላ ዝሓበረ እቲ ዲፕሎማሰኛ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ንዝተላእከ እማመታት፣ ኣጠቓቕማ ወደብ፣ ሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ንብረትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ተተኩር ከምዘላ ኣፍሊጡ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክባት፣ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ዝብል ነጥቢ’ውን ከቲመምሉ እኳ እንተኾኑ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ኮነ ብወገን እታ ቆይማ ዘላ ኮሚሽን ኤርትራ፣ ምሕንጻጽን ምምልካትን ዶባትን ይኹን ምርኽኻብ ባድመን ዝብሉ ኣርእስታት ከምዘይተላዕሉ ኣገንዚቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ብዛዕባ ባድመ ዝኾነ ዓይነት ዝርርብ ከምዘይገበሩ ጠቒሱ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኤርትራ ተጀሚሩ ዘሎ ርክባት ዝምልከት፣ ብፍላይ ኣብ ንግዲ፣ ምቅንስቓስ ሰባትን ኣጠቓቕማ ወደባት ኤርትራን ብዝምልከት ዘቕረበቶ እማመታት ናብ ኤርትራ ከምዝልኣኸት፣ በብእዋኑ ከተፍልጥ እንከላ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ንህዝቢ ካብ ዝኾነ ሓበሬታ ሓሪምዎ ይርከብ።

ብፍላይ ብዛዕባ’ቲ ህወይት 10ታት ኣሽሓት መንእሰያት ዘጥፍአ ጉዳይ ዶብን ምስግጋር ባድመ ናብ ኤርትራን መዕለቢ ከይረኸበ፣ ናብ ካልእ ጉዳያት ምዝላል፣ ዝበኣሰ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኤርትራውያን ስግኣቶም ኣብ ምግላጽ’ዮም ዝርከቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ነበርቲ ባድመ፣ ናይ ሰላም ጻውዒት ንምቕራብ ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ።

እቶም ነበርቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን’ውን ክሳብ ሻምብቆ ብምብጻሕ ፈተነ ከምዘካየዱን፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት ፍቓድ ኣይተወሃብናን ብምባል ከምዝመለስዎም’ዩ ዝሕበር።

ባድመ፣ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ውሳኔ፣ ናይ ኤርትራ ምዃና ዝተረጋገጸ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ባድመ እትርከቦ ጉዳይ ዶብ መፍትሒ ከይተረኽቦ ምስ ኢትዮጵያ ኣይንዘራረብን እናበለ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳይ ዶብን ባድመን ዘሊሉ፣ ንህዝቢ ዝርዝሩ ዘይተሓበረ ምስጢራዊ ስምምዓት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ብኻልእ ወገን፣ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተመርሐ ሓባራዊ ኮሚተ፣ ብዛዕባ’ቲ ተጀሚሩ ዘሎ ርክባት ክልትኤን ሃገራት ንግድን መጓዓዝያን ቅጥዒ ንምትሓዙ ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገበረመስቀል ፣ ብ29 ጥሪ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ዘተ መዓስን ኣበይን ከምዝተኻየደ ግና ኣይገለጸን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0