የመን፣ ኣብ ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከይፈርስ ተሰጊኡ

የመን፣ ኣብ ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከይፈርስ ተሰጊኡ

Radio Erena: 30 January 2019

መንግስቲ የመንን ሑቲን፣ ኣብ ጉዳይ ወደብ ሖደይዳ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ከይፈርስ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ወደብ ሖደይዳ፣ ኣብ ትሕቲ ተቖጻጻሪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ክትጸንሕ ዝፈቅድ’ዩ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ነቲ ናይ ወደብ ሖዴይዳ ናይ ምቁጽጻር ተልእኾ ክመርሕ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኔዘረላንዳዊ ጀነራል ካመርት፣ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካብ መዝነቱ ክእለ ምውሳኑ፣ ስምምዕ የመን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ዘቃልዕ ኮይኑ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ንመዝነት ጀነራል ካመርት ብተወላዲ ደንማርክ፣ ጀነራል ሚሸል ተኪእዎ ኣሎ።

ሑቲ፣ ንዝበሐ ክፋል ወደብ ሖዴይዳ ተቖጻጺሩ ይርከብ።

ኣብ ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከይውዕል፣ ዕንቅፋት ዝፈጥር ዘሎ ኣካል’ዩ እናበሉ፣ መንግስቲ የመንን ሑቲን ሓድሕዶም ኣብ ምውቕቓስ ይርከቡ።

ወደብ ሖዴይዳ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ወደባት የመን እታ ዝዓበየት’ያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0