መራሕቲ ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ክልትኣውን ዞባውን ጉዳያት ክዘራረቡ’ዮም

መራሕቲ ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ክልትኣውን ዞባውን ጉዳያት ክዘራረቡ’ዮም

Radio Erena: 22 October 2018

Egypt Sudan

ፕረዚደንትታት ግብጽን ሱዳንን፣ ኣብ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ንዘሎ ኩለንታዊ ዝምድናታት ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ንምክያድ ንሓሙስ 25 ጥቅምቲ ኣብ ካርቱም ክራኸቡ’ዮም።

እቶም መራሕቲ፣ ኣብ ርክቦም ብዘይካ’ቲ ከሰሓሕቦም ዝጸንሐ ክልትኣዊ ጉዳያት፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብምትኳር’ውን ክመማየጡ ምዃኖም ንኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ግብጺ ዓብደልማሕሙድ ዓብደልሓሊም ብምጥቃስ ዝተፈላለየ ጋዜጣታት ሱዳንን ግብጽን ሓቢረን።

ብዘይካ’ዚ ሓያሎ ስምምዓትን መዘክራትን ክኽትሙ’ዮም።

ድሕሪ ዑደት ፕረዚደንት ቱርኪ ናብ ሱዳን ሻሕኪሩ ዝጸንሐ ዝምድና ሱዳንን ግብጽን፣ ብደረጃ ርክብ መራሕቲ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብዝተኻየደ ጻዕሪ፣ ኣብዚ 10 ኣዋርሕ ክልቲኦም መራሕቲ ክራኸቡ እዚ ንራብዓይ እዋኑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ንሱዳንን ግብጽን፣ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ዶብን ኣጠቓቕማ ናይል’ውን ከሰሓሕበን ምጽንሑ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0