ዲፒ.ዎርልድ ናይ ዱባይ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ቆላሕታ ይገብር

ዲፒ.ዎርልድ ናይ ዱባይ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ቆላሕታ ይገብር

Radio Erena: 21 October 2018

port massawa2ኣብ ኣገልግሎታት ወደብ ዝነጥፍ ዲፒ.ዎርልድ ናይ ዱባይ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ  ቆላሕታ ገይሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ጋልፍ ኒውስ ንቃል ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ወደብ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንደቡብ ሱዳንን ካብኡ ዝሓልፍ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ኣገልግሎት ክህብ ከምዝኽእል ገሊጹ።

ኣሕመድ ቢን ሱለይማን ኣብ ቃለመጠይቑ፣ ንወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ቀንዲ   ኣገዳሲ ዝገብሮ፣ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣኡ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ መዓልታዊ   በዚ መስመር’ዚ ዝሓልፍ ጽዕነት ነዳዲ ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ      ርግኣት፣ ኣብቲ ዞባ ንዝፍጠር ቁጠባዊ ምዕባለ፣ ወደብ ዓሰብ ዓቢ ተራ ክጻወት   ተኽእሎ ኣሎ፣ ድሕሪ ምባል ኣሕመድ ቢን ሱለይማን፣ ንኣገልግሎታት ወደብ   ዓሰብን ባጽዕን ንምቁጽጻር ካብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ይጽበ ከምዘሎ   ኣመልኪቱ።

ናይ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ባሕሪ ንወደባት ኤርትራ ከመሓድር ድሮ ሓቲቱ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጹ ይዝከር።

ዲፒ ዎርልድ፣ ንወደብ ዶራለህ ናይ ጂቡቲ ኩንትራት ሒዙ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ መንግስቲ ጂቡቲ ብዘጋጠሞ ምስሕሓብ ኣገልግሎቱ ኣቋሪጹ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ከምዝርከብ   ይፍለጥ።

ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ትካሉ ንወደብ ዓሰብ መተካእታ ወደብ ዶራለህ ናይ ጂቡቲ ብምግባር ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ኣበርክቶ ክገብር ደኣምበር   ዝኾነ ፖለቲካዊ ዕላማ ከምዘይብሉ ይሕብር።

 ዲፒ ዎርልድ ኣብ ሶማል ወደብ በርበራ’ውን ምስ ኢትዮጵያ ብምሽራኽ ኣገልግሎት ወደብ ንምሃብ ኩንትራት ከምዝፈረመ ዝፍለጥ’ዩ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0