መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብሰንኪ ዘጋጥም ዘሎ ብዝሒ ሞት ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዶም

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብሰንኪ ዘጋጥም ዘሎ ብዝሒ ሞት ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዶም

Radio Erena : 24 April 2015

EU leaders

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ህጹጽ ውሳኔ ንምሕላፍ ትማሊ ሓሙስ 23 ሚያዝያ ተኣኪቦም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ከተማ ብራስለስ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥሞ ዘሎ ብዝሒ ሞት ደው ንምባል ተወሳኺ ጻዕሪ ክካየድን፣ ንኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ንምህዳን ድማ ክሳብ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዝዝርጋሕ ወትሃደራዊ ወፍሪ ክካየድን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘትዮም።

 

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ስደተኛታት ንምስግጋር ዝተዳለዋ’የን ተባሂለን ንዝተጠርጠራት ጀላቡ ናይ ምሓዝን ምዕናውን ወትሃደራዊ ስርሒታት ክካየድ’ውን ወሲኖም።

መራሕቲ 28 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ናይ ብሰንኪ ብዝሒ ሞት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዘካየድዎ ህጹጽ ኣኼባ፣ ህወይት ስደተኛታት ንምድሓን ተወሳኺ ባጀትን ጻዕርን ከምዘድሊ’ውን ተሰማሚዕም።

ኣብ ሓለዋ ዶባትን ገማግም ባሕርን ዝዋፈር ሓባራዊ ኣሃዱ እቲ ሕብረት’ውን ዓቕሙን ብቕዓቱን ብዕጽፊ ክዓቢ ኣብ ዝብል ነጥቢ ተረዳዲኦም።

ካብ 10 ሚያዝያ ክሳብ ትማሊ 24 ሚያዝያ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ዛጊት ልዕሊ ልዕሊ 12 ስሕ ስደተኛታት ዝጸዓና 50 ጀላቡ ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ እናተሓገዛ ናብ ላምፔኢሳን ሲሲልያን ክኣትዋ እንከለዋ፣ ኣርባዕተ ጀላቡ ብምጥሓለን ድማ ኣምኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ስደተኛታት ጥሒሎም ኣለዉ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ብኸምዚ እንተቀጺሉ ድማ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሞቱ ዘለዉ ስደተኛታት ቁጽሪ ብዝተዓጻጸፈ ክዛይድ ከምዝኽእል ትካላት ስደተኛታት የጠንቕቑ።

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ናይ ትማሊ ህጹጽ ኣኼባኦም፣ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሞትን ንምግታእ ከም ቀዳማይን ኣገዳስን ዕማም ክትኮረሉ ዘለዎ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ይኹን ኣብ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ንዝርከቡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ብዝልዓለ ክህደኑ ዝብል’ዩ።

እቶም መራሕቲ ዝተሰማምዕሉ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰን ካልእ 10 ነጥብታትን ዝሓቖፈ ንድፊ፣ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከይኣትዉ ዝኽልክል’ዩ ክብሉ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቓዊሞሞ።

መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም 24 ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ’ዩ።

ጀርመን’ውን ኣቐዲማ ብተመሳሳሊ ክሲ ዝተጠርጠሩ ሓያሎ ሰባት ከምዝቐየደት ኣይርሳዕን።

ሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዝዓበየ መዛረቢ ኣጀንድአን ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብ20 ሚያዝያ’ውን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሃገራት ኣብ ሉክሰንበርግ ህጹጽ ኣኼባ ምክያዶም ይዝከር።
==========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0