ሓይልታት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ(NATO) ኣብ ጅቡቲ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ

ሓይልታት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ(NATO) ኣብ ጅቡቲ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ

Radio Erena: 27 April 2015

NATO

ብምትእኽኻብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝቖመ ወትሃደራዊ ሓይሊ ኔቶ ኣብ ጅቡቲ ቤት ጽሕፈት ዝኸፈትሉ ምኽንያት፣ ኣንጻር ሽፍትነት ባሕሪ ብሓባር ንምቅላስ ዝብል ጉልባብ እኳ እንተተዋህቦ፣ ኣብ የመን ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት ኣብ ባብ ኤልመንደብ ክፈጥር ዝኽእል ሽግር ስለዘስግኦ ምዃኑ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ትንታነታቶም ይህብሉ።

ቤት ጽሕፈት ኔቶ ኣብ ጅቡቲ ክኽፈት ኣቐዲሙ ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ምክትል ጸሓፊ ስርሒታት እቲ ኪዳን ኣምባሳደር ፍራንቸስካ ታርዲዮሊን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍን’ዮም ብ22 ሚያዝያ ከቲሞሞ።

 

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒሉ ዑመር ጉለ ዓሚ ኣብ መአዘዚ ማእከል ኔቶ ዑደት ብምክያድ ምስ ዋና ጸሓፍኢ እቲ ኪዳን ኣንደርስ ፎር ራስሙሰን ብምርኻብ ከምዝተዘራረበ ኣይርሳዕን።

ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፣ ነቲ ካብብ ናብን ምብራቕን ምዕራብን ዓለም ብመራኽብ ዝካየድ ንግዳዊ ለውውጥ ኣብ ሓደጋ ከየትእዎ፣ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከባ ብተደጋጋሚ እዋን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ሕጂ ተኸተቲሙ ዘሎ ስምምዕ ኔቶን መንግስቲ ጅቡትን ድማ፣ ሓይልታት ኔቶ ኣብቲ ንኤርትራ፣ ጅቡትን የማንን ዘራኽብ ባብ ኤልመንደብን ወሽመጥ ዓደንን ክፍጠር ዝኽእል ኩነታት ብቐረባ ክከታተልዎ’ዮም።

ኣብ ጅቡቲ ብዘይካ ኔቶ፣ ሓይልታት ፈረንሳን እመሪካን’ውን ቀዋሚ ወታህደራዊ መዓስከር ከምዘለወን ዝፍለጥ’ዩ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0