ሕ/ኢ ዓረብ፣ 400 ሽሕ ተማሃሮ ሱዳን ንምሕጋዝ ዝውዕል 15 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ

Radio Erena: 25 December 2019

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ኣስታት 400 ሽሕ ተማሃሮ ንምሕጋዝ ዝውዕል 15 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ኣፍሊጣ።

እቲ ሓገዝ፣ መብዛሕትኡ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ዝውዕል’ዩ።

ቀዳማይ ክፋል እቲ ሓገዛ፣ ብመርከብ ናብ ሱዳን ኣብ ዝኣተወሉ ኣማሓዳሪ ዞባ ካርቱም፣ ልዩተናት ጀነራል ኣሕመድ ዓብዱ ሓማድን ኣምባሳደር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ሓማድ መሓመድ ሑመድ ኣልጁናይቢን ተረኸቦም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣቐዲማ፣ እናወደቐ ንዝመጽእ ዘሎ ቁጠባ ሱዳን ንምድጋፍ፣ 500 ሚልዮን ዶላር ኣብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ከምዘቐመጠት ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብሓባር፣ ንሱዳን ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ተመባጺዐን ከምዘለዋን፣ ገለ ክፋሉ ድሮ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወን ይፍለጥ።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ኣብ የመን ንዘካይድኦ ዘለዋ ኵናት ኣብ ጎነን ንዝተሰለፋ፣ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምሳያኡ ቁጠባውን ወትሃደራውን ሓገዛት የበርክታለን ከምዘለዋ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0