ጄነቫ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ደሞክራሲ ንምትካል ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ “ይኣክል” ንምቅልጣፉ እጃሞም ከምዘበርክቱ ገሊጾም

Radio Erena: 25 December 2019

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ዞባ ጄነቫ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓር ንምትካል ዝካየድ ንዘሎ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ “ይኣክል” ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ፣ ንምቅልጣፉ እጃሞም ከበርክቱ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

ንሳቶም ነዚ ዘረጋገጹ፣ ብ21 ታሕሳስ ኣብ ዘካየደዎ፣ ሳልሳይ ርክብ ምንቅስቓስ ይኣክል ዞባ ጄኔቫ ኮይኑ፣ ንጥፈታቶም ንምሕያል ዘኽእሎም ዓንዲ ሕጊ ኣብ ዘጽደቕሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ምንቅስቓስ ይኣክል ዞባ ጄኔቫ፣ ካብ ተጋባእቲ ዝተፈላለየ ርእይቶታን ሓሳባትን ድሕሪ ምእካብ፣ ንዝቐረበ ሰነዳት፣ ናብ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ እቲ ዞባ ዘርጊሕዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዴምክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ንምቅላጣፍ እጃሙ ከበርክት ዝሕግዝዎ ዓንዲ ሕጊ ከምዘጽደቐ የረድእ።

ብዘይካ’ዚ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዞባ ጄኔቫ፣ እቲ ዘጽደቕዎ ዓንዲ ሕጊ፣ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንዘጋጥሞም ማሕበራዊን ካልእን ጸገማት፣ ብሓባር ንምፍትሑ ዝሕግዝ ምዃኑ ምንቅስቓስ ይኣክል እቲ ዞባ ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኾ መግለጺ ኣነጺሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ በብዘለውዎ ሃገራትን ከተማታትን እናተወደቡ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ከብቅዕን፣ ደሞክራሲ ክትከልን ዝጽውዕ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ይኣክል የካይዱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0