ሕ.መ.ኣ. ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፋርማጆ ጸቕጢ ትገብር

adio Erena: 31 December 2021
ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ኣብ ሶማል ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ካብ ምዕራግ ክቑጠብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጸቕጢ ገይራ።

ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ሞሊ ፊ ናብ ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሴን ሮብለ ምትህልላኽን ተጻብኦታትን ብቕጽበት ደው ከብል ጸዊዓ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ እቲ ፕረዚደንት ዕድመ ስልጣኑ ስለዝወደአ፣ ኣብዚ ዝካየድ ምርጫ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ደገፍ ብምሃብ ንሶማል ካብ ሓደገኛ ኣንፈት ከናግፋ ከምዝኽእል ኣሚታ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሰራዊት ሶማልን ሓይልታት ጸጥታን ወገን ከይሓዙ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ህዝቢ ክዋፈሩ፣ እቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ከኣ ኣብ እዋኑ ክካየድ ጸዊዑ።

እዚ መልእኽታት ዝመሓላለፍ ዘሎ፣ ኣብ ጽባሕ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ንጉዳይ ሶማል ብዝምልከት ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ እዩ።

ብተመሳሳሊ መበቆል ሶማል ዘለዋ ኣመሪካዊት ኣባል ኮንግረስ ኢልሃን ዑመር፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ዕድመ ስልጣኑ ስለዘብቀዐ፣ ብሰላም ቤት ጽሕፈቱ ክገድፍ ጸዊዓ።
ፕረዚደንት ፋርማጆ ንሓፈሻዊ ምርጫ’ታ ሃገር ብተደጋጋሚ ብምስግጋር ምስ ገዛእ መንግስቱ ኣብ ምትፍናን ኣትዩ ድሕሪ ምጽናሑ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ምስ ኣፋነዎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ሶማል ዝያዳ ገኒኑ። ሑሴን ሮብለ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ካብ መዝነተይ ከውርደኒ ዘኽእሎ ሕጋዊ ስልጣን የብሉን ብምባሉ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ደምበታት ከይትከፋፈል ስግኣት ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0