ኢትዮጵያ: ናብ ሃገራዊ ዕርቂ ዘምርሓ ኮሚሽን ንምቛም ዝቐረበ ንድፊ: ባይቶ እታ ሃገር ኣጽዲቑ

Radio Erena: 31 December 2021

ኢትዮጵያ ናብ ሃገራዊ ዕርቂ ዘምርሓ ኮሚሽን ንምቛም ዝቐረበ ንድፊ ባይቶ እታ ሃገር ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑዎ።

ፈደራላዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ብረቡዕ 29 ታሕሳስ ኣብ ዝገበሮ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ፣ እታ ኮሚሽን ዕርቂ ክትቀውም ዝድግፍ ድምጺ 287 ክበጽሕ እንከሎ፣ 13 ተቓውሞ ሓደ ከኣ ተዓቅቦ ኣርእዮም።

ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ ኣብ ፈለማ ዝበዝሑ ኣባላት ፓርላማ ንምቛም ኮሚሽን ዕርቂ ከምዝተቓወምዎ ኣመልኪቶም።

ምቛም ኮሚሽን ዕርቂ፣ ንዘተን ሃገራዊ ዋዕላን ርሒብ ዕድል ዝኸፍት ብምዃኑ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ምሉእ ደገፍ ክወሃቦ ዝግባእ እኳ እንተነበረ፣ እዚ ባይቶ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉዎ ዘሎ ውሳኔ ንሓይልታት ትግራይን ኦሮሞን ዝጽምብር ብዘይምዃኑ፣ ኣቓልቦ ክስሕብ ኣይከኣለን ዘሎ።

ከምዝፍለጥ እቲ ባይቶ ንህወሓትን፣ ምንቅስቓስ ሓርነት ኦሮሞን፣ ኣብ መዝገብ ሽበራ’ታ ሃገር ስለዘእተዎም፣ ምስ ሽበራውያን ጉጅለታት ኣይንዛተን ዝብል ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ እዩ ጸኒሑ። ዋላ ንምቛም ኮሚሽን ዕርቂ ዝድግፍ ውሳኔ ድሕሪ ምሕላፉ እውን፣ እዚ ቅድመ-ኩነት’ዚ ከምዘይተቐየረ ይግለጽ።

እዚ ባይቶ ፈደራል ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ነቲ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክወርድ ዝጸንሐ ጸቕጢ ንምቅላል እዩ ዝብሉ ተንተንቲ ዜና’ታ ሃገር፣ ሃገራዊ ዕርቂ ዝወርድ ንኩሉ ወገን ዘሳትፍ መኣዲ ዘተ ምስ ዝኽፈት እዩ ኢሎም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0