ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናብ ኢትዮጵያ ተዓዛቢ ምርጫ ንምልኣኽ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙ

Radio Erena: 05 May 2021

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናብ ኢትዮጵያ ተዓዛቢ ምርጫ ንምልኣኽ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙ።

እቲ ሕብረት ነቲ መደብ ዝሰረዞ፣ እቲ ልኡኽ ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ናጽነትን ዓይነት መሳርሒ ርክባትን ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምርድድዳእ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ’ዩ።

ላዕለዋይ ወኪል ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጆሴፍ ቦረል፣ ናብ 27 ኣባላት እቲ ሕብረት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምርጫ ንዝካየድ ምድላዋት ይኹን ምዝገባ መረጽቲ ከምዘይዕዘብ ኣረጋጊጹ።

ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኑ፣ እቲ ቀንዲ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፣ ኣብ ጉዳይ መሳርሒ ርክባት ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እቲ ሕብረት፣ ካብ ስርዓተ ርክባት ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝኾነ፣ ቪ-ሳት ዝተብሃለ መሳርሒ ክጥቀም ብምምራጹ ዝተላዕለ’ዩ ክብል ኣረዲኡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኵናት ትግራይን ብዝምልከት ብ19 ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ፣ ተዓዛቢ ምርጫ ንምልኣኽ ወሲኑ ኔሩ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ክልተ እዋን ፍሉይ ልኡኹ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰደደ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብዘይካ’ቲ ናይ ምርጫ ጉዳይ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጻእ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ብዘይዕንቕፋት ሰብኣዊ ሓገዛት ክባጻሕ ክፈቅድ፣ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብናጻ ኣህጉራዊ ኣካል ክጻረን፣ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ድማ ክሕተቱን ዝብል ውሳኔታት”’ውን ምሕላፉ ይዝከር።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0