ግብጺ፣ 3.75 ቢልዮን ኤውሮ ዝዋግአን 30 ነፈርቲ ውግእ ካብ ፈረንሳ ክትሽምት’ያ

Radio Erena: 05 May 2021

ግብጺ፣ 3.75 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን፣ ራፋል ዝዓይነትን 30 ነፈርቲ ውግእት ካብ ፈረንሳ ንምሽማት ስምምዕ ከምዝኸተመት ንመግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ግብጺ ብምጥቃስ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ እቲ ምስ ግብጺ ኣቐዲሙ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ብጉዳይ ምግሃስ ብሰብኣዊ መሰላት ግብራዊ ከምዘይከውን ገሊጹ እኳ እንተነበረ፣ ‘ዲስክሎዝ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ብሰሉስ 04 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ ግና እቲ መሸጣ ግብራዊ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ መሸጣ ብልቃሕ ዝተፈጸም ኮይኑ፣ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ዝኽፈል ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

ፈረንሳን ኣብ ሳሕለ ሳሃራ ንእተካይዶ ዘላ፣ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝቐንዐ ስርሒታት ከም መሻርኽቲ፣ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንእትርከብ ዓረባዊት ሃገር ግብጺ፣ ከም መሻርኽታ’ያ ትርእያ።

ግብጺ ነዘን ካብ ፈረንሳ እትሽምተን ዝተራቐቓ ነፈርቲ ውግእ፣ ኣብቲ ዞባ ጎብለል ናይ ምዃን ድሌታታ ዘራጉድ ምዃኑ’ዮም ወትሃደራውያን ምንጭታት ዝጠቕሱ።

ፈረንሳ፣ ካብ 2013 ኣትሒዛ፣ ንግብጺ ኣጽዋር ካብ ዝሸጣ ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ ትርከብ።

ብፍላይ ብሓገዝ ፈረንሳ፣ ሓይሊ ባሕሪ ዳግም ንምቛምን ሓይሊ ኣየራ ድማ ንምድልዳሉን እትጽዕር ዘላ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ እተከያዶ ዘላ ሸመተ ወትሃደራዊ ንዋት ብዓይኒ ስግኣት ከምእትርእዮ’ዩ ዝግለጽ።

ግብጺ ካብ ፈረንሳ እትሽምተን፣ ራፋል ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ፣ ነዊሕ ተጓዒዘን ናይ ቦምባን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ክፍጽማ ኣብ ርእሲ ምኽኣለን፣ ብዳራር ዝኽሸፋሉ ዕድላት’ውን ጸቢብ ምዃኑ’ዩ ዝንገረለን።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ መሬት ከይዓለባ፣ ካብ ነፈርቲ ነዳዲ ናይ ምምላእ ተኽእሎ’ውን ኣለወን።

ግሪኽ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፣ ብ2.8 ቢልዮን ኤውሮ፣ 18 ራፋል ነፈርቲ ውግእ ካብ ፈረንሳ ከምዝሸመተት ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት’ውን፣ ህንዲን ቀጠርን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት፣ ነዘን ብኩባንያ ዳሶ ናይ ፈረንሳ ዝፈርያ ነፈርቲ ንምሽማት ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ኣፍሲሰን’የን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0