ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ የመን ደሴት ሰኮትራ ወትሃደራውያን መኮንናት ተዋፍር ምህላዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 03 March 2021

ኣብ ወደብ ዓሰብ ካብ ዝነበራ መዓስከር ትስሕብ ከምዘላ እትግለጽ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ተወሰኽቲ ወትሃደራውያን መኮንናት ናብ ደሴት ሰኮትራ ናይ የመን ተዋፍር ምህላዋ ተፈሊጡ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣቒዲማ፣ ናብ ሚሊሻታት ዝቐንዐ ተተኮስትን ካልእ ሓገዝን ዝጸዓነት መርከብ፣ ናብታ ደሴት ከምዘጸገዐት ብትዊተር ዝገለጸ ሚኒስተር ዜና የመን ሙክታር ኣል ራቢ፣ ወትሃደራውያን መኮንናታ ተዋፍር ከምዘላ ኣረጋጊጹ።

ኢማራት፣ ናብታ ንህንዳዊ ውቅያኖስን ቀይሕ ባሕርን እተራኸብ ስትራቴጅያዊት ደሴት ሰኮትራ ናይ የመን፣ ኣጽዋርን ወትሃደራውያን መኮንናትን ተዋፍር ዘላ፣ ኣብታ ደሴት ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ኣገንዚቡ።

ይኹን’ምበር እቲ ይዓርግ ኣሎ ዝበሎ ወጥሪ ኣየነጸረን።

ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፉን ኣብ ኤርትራ ከምዝሰልጠኑን ዝንገረሎም ሚሊሻታት ደቡብ የመን፣ ንዓደንን ደሴት ሰኮትራን ዘጠቓለለ፣ ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጆም ምንባሮም ይዝከር።

እንተኾነ፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብ፣ ምስቶም ሚሊሻታት ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ከቕውም ብምስምማዑ፣ ንየመን ናብ ክልተ ካብ ምግማዕ ከድሕን ከምዝኸኣለ ተንተንቲ ይገልጹ።

ይኹን’ምበር ከተማ ሰንዓ እትርከቦ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ ዘይብሉ ስምምዕ፣ ኣብ የመን ሰላም ከረጋግእ ከምዘይክእል እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ካብ 2015 ኣትሒዘን ኣንጻር የመን ዝኸፈትኦ ኵናት፣ ሰለማዊ ህዝቢ ካብ ምህላቕን ምምዝባልን ሓሊፉ ዘምጽኦ ወትሃደራዊ ይኹን ፖለቲካዊ ለውጢ ኣይተራእየን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0