ኣብ ፈረንሳ ዘቕረቦ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽገ ሱዳናዊ፣ ንሓላፊ ኢሚግሬሽን ብካራ ቀቲሉ

Radio Erena: 03 March 2021

ኣብ ፈረንሳ ዘቕረቦ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽገ ሱዳናዊ፣ ንመኮነን ኢምግሬሽን ከምዝቐተለ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣቃሊሐን።

እቲ ወዲ 38 ዓመት ምዃኑ ዝተገልጸ ሱዳናዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ዘቕረቦ ሕቶ ድሕሪ ምንጻጉ፣ ንሓደ ሓላፊ፣ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ፣ ከተማ ፓው እትርከብ ማእከል ስደተኛታትን መሕተቲ ዑቕባን ደጋጊሙ ብኻራ ብምውጋእ’ዩ ቀቲልዎ።

46 ዓመት ዝዕድሚኡ ፈረንሳዊ መኮነን ኢምግሬሽን፣ ብኡ ንብኡ ክመውት እንከሎ፣ እቲ ሱዳናዊ ሓታቲ ዑቕባ ድማ ብፖሊስ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ይርከብ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ምኩርን ገዲምን ሰራሕተኛ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ጉዳይ ስደተኛታትን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ንከተማ ፓውን መላእ ፈረንሳን ዘሰንበደ’ዩ ክብል ከንቲባ እታ ከተማ፣ ፍራንስዋ ባይሩ ገሊጹ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ፣ ዠራልድ ደርማና፣ ናብቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ብምብጻሕ፣ ምስ ሰራሕተኛታት ኢምግሬሽን ናይታ ከተማ ተመያይጡ።

ሓያሎ ካብ ሕሉፋት የማናውያን ዝኾኑ ፖለቲከኛታት፣ ድማ ማእከላት መሕተቲ ዑቕባ ፈረንሳ፣ ንድሕነት ዜጋታት ውሕስነት የብሉን ብምባል ክዕጾ ይሓቱ ኣለዉ።

እቲ ሱዳናዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ኣቐዲሙ’ውን ንሰባት ብካራ ብምፍርራሕ ተኣሲሩ ምንባሩ ጸብጻባት ፖሊስ የመልክት።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0