ሓድሽ ወጥሪ ኣብ መንጎ ፕ. ሳልቫ ኪርን፣ መቐናቕንቱ ሪክ ማቻርን ናብ ዘተ የምርሕ

Radio Erena: 12 March 2023
ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲትን፣ መቐናቕንቱ ሪክ ማቻርን፣ ብዓርቢ 10 መጋቢት ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ዘተ ኣካዪዶም።
ሳልቫ ኪር፣ ሚኒስተር ምክልኻል ንዝነበረት በዓልቲ ቤት ሪክ ማቻር ካብ ስልጣና ድሕሪ ምስጓጉ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ፣ ወጥሪ ሰፊኑ ብምቕናዩ፣ ናብ ዳግማይ ኲናት ከየምርሑ ተሰጊኡ እዩ ኔሩ።
ማዕከናት ዜና ካብ ከተማ ጁባ ኣብ ዘመሓላልፎኦ ዘለዋ ጸብጻብ እቲ ርክብ፣ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪክ ማቻር ንዝምራሕ ሰልፊ ተሓዚኡ እንከሎ፣ ሳልቫ ኪር በይናዊ ውሳኔ ወሲዱ ስለ ዝገበቶ፣ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ዝዓለመ ምንባሩ ገሊጸን።
እዚ ውሳኔ’ዚ፣ ክልቲኦም ወገናት ንዝፈረሙሉ ስምምዕ ሰላም ዝጥሕስ ብምዃኑ፣ ንፖለቲካዊ ሃዋሁ’ታ ሃገር ናብ ተኣፋፊ ደረጃ ኣውዲቑዎ ይርከብ።
ርክብ እቶም ክልተ መራሕቲ፣ ናይ ምርድዳእን ምሕዝነታዊን መንፈስ ከምዝነበሮ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሑ ብምዝዛሙ፣ ንካልኣይ እዋን ክራኸቡ ከምዝኾኑ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0