ታሕተዋይ ባይቶ ሶማልያ ታሪኻዊ ውሳነ ኣሕሊፉ

Radio Erena: 10 March 2023

ታሕታዋይ ባይቶ ሶማል ኣንጻር ግብረሽበራ ዝቐንዐ ታሪኻዊ ዝበሎ ውሳነ ከም ዘመሓላለፈ ተገሊጹ።

ብረቡዕ 8 መጋቢት ተጋቢኡ ዝወዓለ ባይቶ ሶማል፡ ንወኪላት ጸጥታ መንግስቲ ኣንጻር ሽበራ ክዋግኡን ሽበራ ጸራሪጎም ከጥፍኡን ዘኽእል ታሪኻዊ ውሳነ ከም ዘመሓላለፈ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቲ ብ 133 ናይ ድጋፍ 3 ተቓውሞን 7 ድምጸ ተዓቅቦን ዝሓለፈ ብይን፡ሓይልታት መንግስቲ ብቐሊሉ ሽበራውያን ክቕይዱን ክቐጽዑን ዘኽእል’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

እንተኾነ ገለ ተቓወምቲ ናይቲ ሕጊ፡ እቲ ውሳነ ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ካብ ሕጊ ወጻኢ ከም ድላዮም ዜጋታት ክኣስሩ ፍቓድ ዝህብዩ ብምባል ይገልጽዎ።

ሶማል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ብጎረባብቲ ሃገራት ዝድገፍ መንግስትን ኣልሸባብን ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ኣብ ቅልውላው ከም ዘላ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0