ሓደ ካብ መርመርቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ኣመሪካ ን22 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ሓደ ካብ መርመርቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ኣመሪካ ን22 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: May 26, 2014

kefalegn

ሓደ ካብ ሓለዋን መርመርቲ ኣብያተ ማእሰርትን ስርዓት ደረግ ዝነበረ ከፋለኝ ኣለሙ ወርቁ፣ መንነቱ ሓቢኡ ኣብ ኣመሪካ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፣ መንነቱ ተቃሊዑ ብዝፈጸሞ ገበናት ን22 ዓመት ክእሰር ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምውሳኑ ምዕከን ዜና ኤቢሲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ እዋን ስርዓት ደረግ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እሱራት ብምስቓይ ንሓያሎ ድማ ናብ ሞት ዘብጽሐ ኢትዮጵያ፣ ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምእታዉ ስሙን መንነቱን ቀይሩ ዑቕባ ሓቲቱ’ዩ ኣብ ደንቨር’ዩ ክነብር ጸኒሑ።

ነቲ ሓደ ካብ ኣረሜን ኣባላት ስርዓት ደርግ ዝነበረን ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ቀይሕ ሽብር ብዙሕ ግፍዕታት ዝፈጸመን ከፋለኝ ኣለሙ ወርቁ፣ ብኣካል ዝፈልጡ ሰባት ስለዘለለዩዎ ኣብ 2011 ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ዘቕረብሉ ክሲ ተመስሪትሉ።

ጉዳዩ ብምጽራይ ሓቐኛ መንነቱ ስለዝተቓለዐ፣ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ን22 ዓመታት ክእሰር ከምዝበየነሉ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኤቢሲ ሓቢሩ።

 

እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓዱ’ውን፣ ንሱ ኣብ ዘይተረኽበሉ ንሞት ከምዝተፈርደ’ዩ ዝግለጽ።

ፈደራላዊ ድኛ ነቲ ውሳኔ ድሕሪ ምሃቡ፣ ኣመሪካ ንገበነኛታት እተዕቑብ ሃገር ኣይኮነትን ክብል’ውን መግለጺ ሂቡ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ መርመርቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ዝተመስረተ ክስን ዝተዋህቦ ብይንን ነቶም ከቢድ ገበናት ፈጺሞም ካብ ሃገር ድሕሪ ምህዳሞም ብሰላም ክነብሩ ዝኽእሉ ዝመስሎም ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ገበናት ፈጺሞም ኣብ ዴሞክራስያውያን ሃገራት ዑቕባ ሓቲቶም ዝርከቡ ሰበ ስልጣናትን ሰዓብቶምን ጽቡቕ ዜና ኣይኮነን።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0