ኣብ ታሪኽ ጅቡቲ፣ ንፈለማ እዋኑ ሓያሎ ወትሃደራት ኤውሮጳ ግዳይ ዝገበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተኻይዱ

ኣብ ታሪኽ ጅቡቲ፣ ንፈለማ እዋኑ ሓያሎ ወትሃደራት ኤውሮጳ ግዳይ ዝገበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: May 26, 2014

Djibouti Attack

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ሓደ ሬስቶራትን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብተን ኣብታ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከራት ዘለወን ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ቁጥዐ ፈጢሩ።

በቲ ኣብ ማእከል ከተማ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ቦምባ ኢድ ብምድርባይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ብውሕዱ 15 ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም።

እቲ ቤት መግቢ፣ ወትሃደራዊት ሃገራት ኤውሮጳ ዘዘውትርዎ ብምዃኑ፣ መብዛሕቶም ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ፣ እቶም ወትሃደራት ከምዝኾኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

 

ኣመሪካ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ ይኹን ዝቖሰለ ወትሃደር ከምዘይብላ ክትሕበር እንከላ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ግና ሰለስተ ዜጋታት ስጳኛ ዝኮኑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሩ ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እታ ኣብ ጅቡቲ ዝበዝሐ ወትሃደራዊ ሓይሊ ዘለዋ ፈረንሳ፣ በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዜጋታታ ዝወረደ ጉድኣት ምህላዉን ዘይምህላዉን ኣይሓበረትን። ነቲ መጥቃዕቲ ግና ብትሪ ኮኒናቶ ኣላ። ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይድገም’ውን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ጅቡቲ ብሓባር ብምዃን ክትሰርሕ ምዃና ኣፍሊጣ።

እቲ ብቐዳም 24 ግንቦት ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ብኣልሸባብ ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታት እኳ እንተሎ፣ ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

መንግስቲ ጅቡቲ ግና በቲ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ ክልተ ሶማላውያን ኣብ ቀይዲ የእትዩ ኣሎ።

ከምዚ ዓይነት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ኣብ ጅቡቲ ንፈለማ እዋኑ’ዩ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0