ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ንህዝባዊ ናዕቢ ብዝምልከት መደባት ኣብ ልዕሊ ዘዳለዋ ማዕከናት ዜና መጥቃዕቲ ኣውሪዶም

Radio Erena: 02 January 2022

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ንህዝባዊ ናዕቢ ብዝምልከት መደባት ኣብ ልዕሊ ዘዳለዋ ማዕከናት ዜና መጥቃዕቲ ኣውሪዶም።

እቶም ፍሉያት ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቤት ጽሕፈታት ኣል-ዓረቢያ፣ ኣል-ሓዳስን ኣል-ሻርቕን መዓጹ ሰይሮም ብምእታው፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት’ተን መደበራት ቴሌቪዥን መጥቃዕቲ ኣውሪዶም።

እቶም ኣባላት ጸጥታ ብተወሳኺ፣ ነቲ ወሪሮም ዝኣተዉዎ ቤት ጽሕፈታት ንብረት ኣዕንዮምን ናይቶም ጋዜጠኛታት ቴሌፎናት መንዚዖምን ከምዝኸዱ፣ ሰራሕተኛታት’ተ ትካላት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ምስክርነት ገሊጾም።

ዳይረክተር ተለቪዥን ኣል-ሓዳስ ሊና ያቁብ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ሓይልታት ጸጥታ ንሓደ መሳርሕታ ጋዜጠኛ ኣብ ዝኽትክቱሉ ዝነበሩ እዋን ከተተዓርቕ ብምፍታና፣ ኣብ ልዕሊኣ እውን መጥቃዕቲ ከምዘውረዱ ገሊጻ።

እቶም ከቢድ መቑሰልቲ ዝወረዶም ሰራሕተኛታት ሜድያ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ኣለዉ።

እቶም ህዝባዊ ኣብያ ከምዘይቃላሕ ንምግባር ዝሃቀኑ ኣባላት ጸጥታ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስካይ ኒውስ ናይ ዓረብ ቻነል ብምእታው እውን፣ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝደርበዩ ተገሊጹ።

ናይ ምስትንፋስ ሕጽረት ዘጋጠሞም እቶም ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ንምርካብ በብዝጠዓሞም ክሃድሙ ፈቲኖም።
ኣቐድም ኣቢሉ ሓያሎ ጋዜጠኛታት ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢታት ብምጽንሖም ጥራይ፣ ንብረቶም ተዘሚቱ፣ ኣብ ኣካላቶም እውን ጉድኣት ከምዝወረደ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0