ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣብ ልደት ፈረንጂ ኤረትራውያን ዝርከብዎም 1300 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ኣድሒነ ኢሉ

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣብ ልደት ፈረንጂ ኤረትራውያን ዝርከብዎም 1300 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ኣድሒነ ኢሉ

Radio Erena: 29 December 2014

Italy1300

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ልደት ፈረንጂ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 1300 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒነ ኢሉ።

እቶም ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝኣተዉ ኣብ ጃላቡ ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ኣብ ሓለዋ ብዝነበራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ከምዝደሓኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ካብቶም ኣብ ልደት ፈረንጂ ካብ ሞት ዝደሓኑ 1300 ስደተኛታት፣ ሓንቲ ናይጀርያዊት ነፍሰጾር ብሰላም ክትገላገል ምኽኣላ’ውን እተን ማዕከናት ዜና ጠቒሰን።

ኣብዛ ትዛዘም ዘላ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሐረሳ ነፍሰጾራት ሓንቲ ኤርትራዊት እትርከበን ሰለስተ በጺሐን ኣለዋ።

 

መንግስቲ ኢጣልያ ነቲ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ደው ከምዘበሎ ብወግዒ እኳ እንተሓበረ፣ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣማኢት ስደተኛታት ምድሓን ግና ይቕጽሎ ኣሎ።

ኣብዛ እትዛዘም ዘላ ዓመተ 2014፣ ብዙሓት ካብ ኤርትራን ሶርያን ዝመጹ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብዎም ኣስታት 168 ሽሕ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0