ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ኤርትራ ምስጢራዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ኤርትራ ምስጢራዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: May 1, 2014

Eri Israel

ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ኤርትራ ምስጢራዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ 23 ሚዝያዝያ ብምስጢር ኣብ ኣስመራ ዝበጽሐ ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዕጹው ድሕሪ ምዝርራብ ንጽባሕቱ 24 ሚያዝያ ናብ እስራኤል ከምዝተመልሰ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ዕላማ ሚስጢራዊ ዑደት ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ኤርትራ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ብዛዕባ’ቲ እስራኤል ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ስኽፍታን ኩነታት ኣብ እስራኤል ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ንምዝታይ ዝዓለም ክኸውን ከምዝክእል ይግምገም።

 

እስራኤል፣ ምንቕስቓስ መራኽብ ኢራን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሻቕሎት ከምዝፈጥረላ ብተደጋጋግሚ እዋን ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሕጊ እስራኤል ጥሒስኩም ዝተባህሉ 23 ኤርትራውያን ንበይኖም ተቐይዶም ከምዘለዉ ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣፍሊጡ።

እቶም ሖሎት ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ተቀይዶም ዘለዉ ኤርትራውያን ብፍሉይ ዝፈጸምዎ ምጥሓስ ሕጊ ብንጹር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ዝፈጸምዎ ገበን ከምዘይለን ዝተኣስርሉ ምኽንያት ድማ እስራኤል ብዘይሕጋዊ መንግዲ ብምእታዎም ጥራይ ምዃኑ’ዩ ዝጥቐስ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0