መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም 154 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቒቕዎም

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም 154 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቒቕዎም

Radio Erena: May 2, 2014

yemeni fish

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 154 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብሰሉስ 29 ሚያዝያ ናጻ ከምዝተለቑ ተሓቢሩ።

እቶም ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ 154 የመናውያን፣ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ዝሓበረ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ የመናዊ ዲፕሎማሰኛ መሓመድ ኣልዓዛኒ፣ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ድማ ኣብ ቀጻሊ ብናጻ ክፋነዉ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ብድምር 301 የመናውያን ገግፍቲ ዓሳ ከምዝተለቑ ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና የመን ድማ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣስታት 1673 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ በብእዋኑ ናብ ዓዶም ተፋንዮም ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

 

ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ ምትሓዝ ገፈፍቲ ዓሳን ባሕላዊ ምግፋፍ ዓሳን ዘተኮረ ሃያሎ ዝርርባት ከካይዱ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0