ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መደባራት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ዑደት ኣካይዱ

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መደባራት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 25 March 2019

ብርጋዴር ጀነራል ክንዱ ገዙ ተናኝ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መደባርት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ዑደት ከምዘካየደ ተገሊጹ።

ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ባሕሪያ ፈረንሳ ሸርቡርግ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ንምዕባለ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ብምዕዛብ፣ ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ ክትሃንጾ መዲባ ዘላ ሓይሊ ባሕሪን ዘድልዮ ናውትን ብዝምልከት ተመያይጦም።

መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ሸርቡግ፣ ሓደ ካብቲ ሰለስተ ዓበይቲ መደባራት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ’ዩ።

ፈረንሳ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብቲ ኤውሮጳ ዝርከብ ክሊ ማያ፣ ኣብ ዝተፈላለ ክፍሊ ዓለም ኣብ ዝርከባ 10ታት ደሴታታ’ውን መዓስከራት ሓይሊ ባሕሪ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ልኡኽ ኢትዮጵያ ብዘይካ’ቲ ናይ ሸርቡርግ ዑደቱ፣ ኣብ ጅቡቲ፣ ሄሮን ኣብ ዝርከብ መደባር ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ብምብጻሕ ምስ ፈረንሳዊ ኣዛዚ ናይቲ ሓይሊ ባሕሪ ኮማንደር ክሪስቶፍ ደልዲክ፣ ብዛዕባ’ቲ ናይ ኢትዮጵያ መደብ ተዘራሪቡ።

ፕረዚድነት ፈረንሳ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ታሪኻዊ ምብጻሕ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ዝርከቦ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ስምምዓት ከምዝኸተሙ ብወግዒ ተሓቢሩ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ምስ ናጽነት ኤርትራ ዝተበታተነ ሓይሊባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ዳግም ንምህናጹ ትጓየ እኳ እንተላ፣ እቲ ተቑሞ ሓይሊ ባሕሪ፣ መደበሩ ኣበይ ከምዝኸውን ብምስጢር’ያ ሒዛቶ ዘላ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0