ኣብ ጉዳይ ዶብ ክሰማምዓ ዘይክኣለ ሶማልን ኬንያን፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ይቐርባ

ኣብ ጉዳይ ዶብ ክሰማምዓ ዘይክኣለ ሶማልን ኬንያን፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ይቐርባ

Radio Erena: 25 March 2019

ብጉዳይ ዶብ ኣብ ምውጣጥ ዝርከባ ሶማልን ኬንያን፣ ብመንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተወስደ ተበግሶ ሽምግልና ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርባ ከምዝወሰና ተገሊጹ።

መራሕቲ ሶማልን ኬንያን፣ ብመንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ እቲ ዘሰሕእሕብ ዘሎ ክሊ ማይ ዘጠቓለለ ሰፊሕ ከባቢ፣ ብሽምግልና ንምፍታሕ ስለዘይተኻእለ፣ ናብቲ ኣብ ሆላንድ፣ ከተማ ሄግ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከምዘጋግርዎ ከምዝወሰኑ ተሓቢሩ።

ሶማል፣ ኣብቲ ግዝኣታ ምዃኑ እትገልጾ ዘላ ከባቢ፣ ናይ ዕደና ንጥፈታት ንምክያድ ምስ ቻይና ስምምዕ ድሕሪ ምኽታማ፣ ኬንያ፣ እቲ ቦታ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት ንዓይ’ዩ ዝግብኣኒ ክትብል ተቓውሞ ኣስምዒዓ።

ኣብ 2016’ውን እቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ እኳ እንተነበረ፣ ውሳኔ ከይተዋህቦ’የን ክልትኤን ሃገራት እንደገና ንምዝርራብ ጀሚረን ጸኒሐን።

እንተኾነ፣ እቲ ብነዳዲ ሃብታም ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ገማግም፣ ንጥፈታት ዕደና ቅድሚ ምጅማሩ፣ ዋንነቱ ክጻረ ካብ ዝብል ሓሳብ’የን ዝጓየያሉ ዘለዋ።

ሕጋዊ መስርሕ ናይቲ ጉዳይ፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም፣ ብወግዒ ክጅምር ምዃኑ ካብ ሞቓድሾ እትፍንኖ ሬድዮ ዳስላን ኣፍሊጣ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0