ሊብያ፣ ክልተ ኤርትራውያን ብጥይት ተቐቲሎም

Radio Erena: 13 January 2020

ኣብ ሊብያ፣ ከተማ ጣራብሎስ ፣ ክልተ ኤርትራውያን ብጥይት ከምዝተቐትሉ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

ሞት እዞም ክልተ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ብ9 ጥሪ ኣብ ዘጋጠመሉ፣ ካብታ ከተማ፣ ገሊኦም “ተረሺኖም” ‘ዮም ክብሉ እንከለዉ ካልኦት ድማ ግዳያት ሃንደበት ዝተኸፍተ ቶዅሲ’ዮም ኮይኖም ክብሉ ክገልጽዎ ጸኒሖም’ዮም።

UNHCR ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን እቶም ክልተ ኤርትውያን ብጥይት ከምዝተቐትሉ እንተዘይኮይኑ፣ ንኣማውትኦም ይኹን ዝተቐትልሉ ኣገባብን ምኽንያቱን ንጹር ሓበሬታ ከምዘይብሉ ጠቒሱ።

ክልቲኦም፣ ኣባላት እቲ ኣብ ትሕቲ UNHCR ዝተመዝገቡ ኣስታት 4 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ’ዮም ኔሮም።

ንሳቶም ዝተቐትሉ፣ ኣብ ጣራብሎስ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቖቢ ስደተኛታት UNHCR ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ስለዝሓዘ ክወጹ ድሕሪ ምግዳዱ፣ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ከምዝተፈጸመ’ዩ ዝጥቐስ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መግለጺኡ፣ ሞት እዞም ኤርትራውያን፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኵናት ንዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ምጥያስን ናብ ውሕሱ ቦታ ናይ ምግዓዝን መስርሕ ክቐላጠፍ ዝጽውዕ’ዩ ድሕሪ ምባል ሓገዝ መሻርኽቲ ሓቲቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0