ፖሊስ ኢጣልያ፣ “ብምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ’ዩ” ብምባል ብጌጋ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ ቀይዱ

ፖሊስ ኢጣልያ፣ “ብምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ’ዩ” ብምባል ብጌጋ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ ቀይዱ

Radio Erena: 08 June 2016

meda

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ብምስግጋር ስደተኛታት ተጠርጢሩ ብዝልዓለ ክህደን ዝጸንሐ ኤርትራዊ ካብ ሱዳን ኣምጽኤዮ ኢሉ ስእሉ ዝዘርግሖ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ንሱ ከምዘይኮነ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እዚ ፖሊስ ኢጣልያ ሒዘዮ ኢሉ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሲቺልያ ብፖሊሲ ተዓጂቡ እናወረደ ዘርኢ ስእሊ ዘርጊሕዎ ዘሎ መንእሰይ መድሃኔ ተስፋማርያም ዝተባህለ ተራ ስደተኛ ኮይኑ ፖሊስ ሱዳን ብ29 ግንቦት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ገፊፉ ዝቐየዶ’ዩ።

ምስቲ ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ ተመሳሳሊ ስም ስለዘለዎ ጥራይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሱዳን ክምርመር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብ7 ሰነ ናብ ኢጣልያ ተረኪቡ።

 

እዚ ብጌጋ ብስም መድሃኔ ኣብ ኢጣልያ ተቀይዱ ዘሎ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ ብዝቀልጠፈ ንኽልቐቕ ኩሉም ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጻዕርታቶም ከሐይሉ’ውን ካብ ፈለጥቱን ስድራቤታቱን ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

ብማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ከምተታሕዘ ዝግለጽ ዘሎ፣ ብምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ምትሓዙ ዛጊት ዝተነጸረ የለን።

ይኹን’ምበር ፖሊስ ሱዳን ብምስግጋር ስደተኛታት ዝተጠርጠሩ ብውሕዱ 25 ሰባት ቀይዶም መርመራ የካይድሎም ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የመልክቱ።

መንግስቲ ሱዳን፣ በብእዋኑ ዝገፈፎም ኣማኢት ኤርትራውያን ኩነታቶም ከየጻረየ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሶምን ንኣማኢት ካልኦት ከኣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ቀይዶም ምህላዉን ይፍለጥ።

ኣብ ሱዳን ዝቕመጥ፣ ብጀነራል ዝፍለጥ ወዲ 35 ዓመት መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ብህልቅቂት ናይቶም ኣብ ጥቅምሪ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ ኣስታት 360 ኤርትራውያን ብቀዳምነት ካብ ዝተኸሰሱ ኮይኑ፣ ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምስግጋር’ውን ዝተፈልጠ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ይሕብራ።

ሬድዮ ኤረና፣ ነዚ ብሰንኪ ፖሊስ ኢጣልያ ዝተፈጸመ ጌጋ፣ ንማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ብምጥቃስ ኣቐድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ንዝዘርግሓቶ ሓበሬታ ይቕሬታ ትሓትት።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0