ሕ/ ኤ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ናይ 62 ቢልዮን  ኤውሮ ሓድሽ ውጥን ከምዘዳለወ ተሓቢሩ

ሕ/ ኤ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ናይ 62 ቢልዮን ኤውሮ ሓድሽ ውጥን ከምዘዳለወ ተሓቢሩ

Radio Erena: 08 June 2016

EU Plan

ሕብረት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ሓድሽ ውጥን ከምዘዳለወ ተሓቢሩ።

እቲ ሕብረት፣ ነተን ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉን፣ ስደተኛታት ከኣ ከም መሰጋገሪ ዝጥቐሙለንን ትሽዓተ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ ክሳብ 62 ቢልዮን ኤውሮ ባጅተ ክስልዓሉ’ዩ።

ሓደ ካብቲ መደባት ከኣ ንኤርትራ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ መዳይ ጸጥታ ምሕጋዘን ዝብል ከምዝርከቡ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ይገልጻ።

 

ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ’ዚ መዕገቲ ስኢንሉ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሊብያን ግብጽን ምስጢራዊ ዝርርባት የካይድ ምህላዉ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ከም ውጽኢቱ ከኣ ሱዳን ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት እናቀየደት ናብ ኤርትራ ምጥራዝ ተተሓሒዛቶ ትርከብ።

ውሑድ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ንእሽቶ ሃገርን ኤርትራ፣ 25 ዓመታት ናጽነት ኣብ እትጽንብለሉ ዘላ እዋን፣ ካብ ብናጽነታ ንላዕሊ ብዋሕዚ ስደት ዜጋታታ ክትጥቐስ’ያ ትውዕል ዘላ።

ኣብ ጽባሕ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዝጠሓሉ ኣስታት 800 ሰባት እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኤርትራውያን ምስ ምዃኖም ድማ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ዓቢ መዘራረቢ ጉዳይ ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።

10ታት ስድራቤታት ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተሓሉ ኤርትራውያን ድሮ ተረዲኦም ከምዘለዉ’ውን ወከልቲ ሬድዮ ኤረና ከካብ ቦትኡ የረጋግጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንምዝርራብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ምንጭታት ገሊጾም።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0