ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራዊ መዓስከትር ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ኣካይዱ

ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራዊ መዓስከትር ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ኣካይዱ

Radio Erena: 10 June 2016

AMISOM

ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ ሃልጋን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መዓስከር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ መጥቃዕቲ ኣካይዱ።

እቲ ብ9 ሰነ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣካል ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዝዓስከረሉ ሃልጋን ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ቢቢሲ ሓቢሩ።

በቲ መጥቃዕቲ 10ታት ወትሃደራር ኢትዮጵያ ከምዝተቐትሉ’ውን ንኣልሸባብ ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

 

እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ከባቢ ሃልጋን፣ 260 ኪሎሜተር ንሰሜን ካብ ከተማ ሞቛድሾ ርሒቑ ይርከብ።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣልሸባብ ብጸረ-መጥቃዕቲ ከምዝተመልሰ ብምሕባር፣ 110 ካብ ኣባላት እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝተቀትሉ ብዝሒ ሰራዊቱ ኣይሓበረን።

ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኡጋንዳ፣ ኬንያን ብሩንዲን ተደጋጋሚ እዋን ከጥቕዕ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራዊ መዓስከር ኢትዮጵያ መጥቅዕቲ ከካይድ ግና እዚ ናይ ፈለማ እዋን’ዩ።

ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ተዋጽኡ ኣብ ሶማል ተዋፉሩ ካብ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ እቲ 22 ሽሕ ናይ ኢትዮጵያ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0