UPDATE፣ መንግስቲ ቦትስዋና፣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ንዝሓተቱ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ብግዴታ ከይመልሶም ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ

UPDATE፣ መንግስቲ ቦትስዋና፣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ንዝሓተቱ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ብግዴታ ከይመልሶም ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 14 October 2015

Eri10

ኣብ ሩስያ ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም 2018፡ ካልኣይ እግሪ ግጥም ቅድሚ መጻረዩ ንምግባር ናብ ቦትስዋና ካብ ዘምርሐት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ 10 ተጻወትቲ ብድሕሪ ናይ ትማሊ ምሸት ስዕረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሃገራዊት ጋንታ ቦትስዋና፡ ኣብ’ታ ሃገር ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም።

መንግስታት ቦትስዋናን ኤርትራን ብዝገበርዎ ውዲት፡ እቶም ተጻወትቲ ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ግና እቶም ተጻወቲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ፖትስዋን ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

እዞም ኣብ ቦትስዋና ተሪፎም ዘለዉ 10 ተጻወትቲ፡ ምስ ካልኦት ደቒ ጋንትኦም ትማሊ ንግሆ ክምለሱ ይግብኦም እንተነበረ፡ ኣይንምለስን ስለዝበሉ ግን፡ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ በረራ ሰዓቶም ክሓልፍ ክኢሉ ኣሎ።

 

ማዕከናት ዜና እት ሃገር ብዝህብኦ ዘልዋ ሓበሬታ መሰረት እቶም ተጻወትቲ፡ መንግስትን ፖሊስን ቦትስዋና ብዝገበርዎ ጸቕጢ፡ ብኣቖጻጽራ ቦትስዋና ትማሊ ሰዓት 6:20 ኣጋ ምሸት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ እትበርር ነፋሪት ክሳፈሩ ተመዲቡ ኔሩ።

እንተኾነ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዘቕርብዎ ዘለዉ ጥርዓናት፣ ጉዳዮም ክሳብ ዝጻረ ኣብ ቀይዲ ክጸንሑ ተወሲኑ ኣሎ።

እዞም ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም ዘለዉ ተጻወቲ መነመን ምዃኖም’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ እቶም ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተመርጹ 10 ተጻወትቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ግን፡ ይግመት።

ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ቦትስዋና ዝገሹ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነጥፉ ተጻወትቲ ፡ ኢሳያስ ሃ/ገርግሽ፡ ምናሰ ሰለሙን፡ ኣሌክሳንደር ርእሶም፡ ሳምሶም ኣረፋይነ፡ ፊልሞን ኣብርሃም፡ ዘርኢት ዮውሃንስ፡ ቢላል ጥዑም፡ የውሃንስ ሓድሽ፡ ሙሴ ነጋሲን ሄኖክ ሰመረን እዮም።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብቅድሚ ብ13 ጥቅምቲ 2015 ምሸት ኣብ ቦትስዋና ከተማ ፍራንሲስታውን ኣብ ዘካየደቶ ናይ መልሲ ግጥም 3 ብ1 ተሳዒራ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ዋንጫ ዓለም 2018 ንምሕላፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ መጻረዩ ግጥማት፣ ምስ ቦትስዋና ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ፈለማ ርክባ፣ ኣብ ኣስመራ 2 ብ 0 ተሳዒራ ምንባራ’ውን ይዝከር።

10 ተጻወቲ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝተንጸንበርዋ 24 ኣባላት ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብድምር 5 ብ1 ተሳዒራ ኣላ።

እዛ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ቦትስዋና ኣብ ዘምርሐትሉ እዋን’ውን ከተምዝግቦ ካብ እትኽእል ኣንጸባራቒ ዓወት ንላዕሊ ህድማ ተጻወቲ ከየጋጥማ’ዩ ተሰጊኡ።

ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘካየደቶ ግጥማት መጻረዩ ዋንጫ ዓለም ተዓዊታ ከምዘይትፈልጥ’ውን ጸብጻብ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ -ፊፋ ይሕብር።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0