ኣንጻር ማዕከናት ዜና ሽወደን ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብ22 መጋቢት ነቲ ኣብ ሰለስተ ማእከላት ዘጋጠመ ባርዕ ንምኹናንን ኣንጻር ማዕከናት ዜና ሽወደን ዝቐንዐን ኣብ ስቶኮልም ኣብ ዘካይድዎ ንዝነበሩ ሰለማዊ ሰልፊ ንምዕዛብ፣ ኣብቲ ከባቢ ንዝተረኽበ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ሃሪሞም ማህሰይቲ ከምዘውረድሉ ወከልቲ ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    እቲ ቴድሮስ ኣረጋ ዝተባህለ ኣብ ሽወደን ዝምቕማጡ ኢትዮጵያ ስደተኛ፣ ናይ ብሕቱ ብሎግ መርበብ ሓበሬታ ዘዳሉ ኮይኑ፣ ነቲ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ ሰለማዊ ሰልፊ ብድምጽን ስእልን ንምስናድ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን’ዩ እቶም ደገፍቲ ብጉጅለ ብምህራም ማህሰይቲ ዘውረድሉ።
    
    እቶም ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ፣ ነቲ ኣብ ስቶኮልምን ከባቢኡን ዝርከብ ሰለስተ ማእከላት መእከቢኦም ንዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንምኹናን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ክነሶም፣ ንሳቶም’ውን ተመሊሶም ሰብ ክሃርሙ ዝተዓዘቡ ሓያሎ ወገናት፣ ጎነጻውያን ምዃኑን ዘግህድ’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

    እቲ ብዕስለ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሃርመ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ፣ ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ከምእተወስደን ሓያሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገርን ተጣበቕትን ኩነታቱ ንምፍላጥ ይውከስዎ ከምዘለዉን’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

    ኣማኢት ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ብ22 መጋቢት ኣብ ስቶኮልም ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ማዕከናት ዜና ሽወደን ኣብ ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን እመልኪቱ ንዘቕርቦ ሕማቕ ምስሊ ዝሓዘ ጸብጻባት ደው ከብሎ’ዮም ጸዊዖም።

    ኣብ ስቶኮልም ዝርከብ ሰለስተ መእከቢ ማእከላት ደገፍቲ ህግደፍ ድሕሪ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፣ እቲ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስትን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኮኑ ኤርትራውያንን ኣቐዲሙ ዝነበረ ምትፍናን ኣብ ጥርዙ በጺሑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ኣብታ ደጀን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾነት ሽወደን ዝነብሩ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘለዎም ናይ ደገፍትን ተቃወምትን ኣፈላለይ፣ ናይ እዝግሄር ሰለምታ’ውን ከምዘየብሎም ብሰፊሑ ይንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0