Category: News
በርማ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ዓሌት ሮሂንጅያ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ይፍጸም ከምዘሎ ይቃላዕ
Radio Erena: 08 September 2017 ኣብ በርማ፣ ብሮሂንጅያ ኣብ ልዕሊ ዝፍለጡ ኣመንቲ ምስልምና ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ይፍጸም ምህላዉ ይቃላዕ ኣሎ። እዚ ንልዕሊ 120 ሽሕ ኣመንቲ ምስልምና ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላድሽ ከምዝ [...]
መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት ክጻረይ ዘውጸኦ መምርሒ ዕንቅፋት የጋጥሞ
Radio Erena: 07 September 2017 መንግስቲ ኤርትራ፣ ወነንቲ ኣባይትን ትካላትን ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት (ሊብረቶ ወይ ሊቸንሳ) ከጻርዩ ንዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፣ ብሰንኪ ኣብያ ምኽፋል ክልተ ካብ ሚእቲ ናይቶም ኣብ ወጻኢ [...]
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ናይ ዝተኣስሩ ቁጽሪ 115 በጺሑ
Radio Erena: 07 September 2017 ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ናይ ዝተኣስሩ ሓለፍቲን ነጋዶን ቁጽሪ 115 ከምዝበዝሐ ተሓቢሩ።ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፣ ነባራት ሓለፍቲ መጓዓዝያ [...]
ብሪጣንያ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታታ ተጠንቕቕ
Radio Erena: 06 September 2017 ብሪጣንያ፣ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታታ ክጥንቐቑ ጸዊዓ። ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር (FCO) ብሰኑይ 04 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መጠንቕቕታ፣ ኩሎም'ቶም ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታታ ብሪጣ [...]
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ጽገናዊ ለውጢ ክግበረሉ ዝጠልብ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ቻድ ልኢኹ
Radio Erena: 06 September 2017 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ጽገናዊ ለውጢ ክግበረሉ ዝጠልብ ደብዳቤ ናብ ፕረዚንት ቻድ እድሪስ ደቢ ልኢኹ። ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ [...]
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክድገም’ዩ
Radio Erena: 06 September 2017 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ፣ ኣብ 7 ጥቅምቲ ክድገም'ዩ። እቲ ምርጫ ክድገም ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ነቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደን ፕረዚደን [...]
ካብ ሕ. ኢማራት ዓረብ ናብ ኤርትራ እተምርሕ ዝነበረት መርከብ ጥሒላ
Radio Erena: 05 September 2017 ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኤርትራ ተመርሕ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መርከብ ኣብ ክሊ ባሕሪ ዖማን ከምዝጠሓለተ ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እታ ናይ ታንዛንያ ባ [...]
ሱዳን፣ ኣብ ዶብ ሊብያ ዝሓዘቶም 40 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ መሊሳ
Radio Erena: 05 September 2017 ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዝዎም 40 ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ከምዝጠረዝዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም። እቶም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ዝተታሕዙ [...]
እስራኤል፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ምጥራዝ መስርሕ ደው ከምዘየብሎ ቀ/ሚ ቤንያሚን ናታንያሁ ይገልጽ
Radio Erena: 05 September 2017 መንግስቲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሃገሩ ናይ ምጥራዝ መደብ ደው ከምዘየብሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቤንያሚን ናታንያሁ ገሊጹ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተ [...]
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓዳስ ኣልቡም ቴዲ ኣፍሮ ከይትዝርጋሕ ይእግድ
Radio Erena: 05 September 2017 መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓደስቲ ደርፍታት ንዝሓዘት ሓዳስ ኣልቡም ናይቲ ብቴዲ ኣፍሮ ዝፍለጥ ህቡብ ድምጻዊ እታ ሃገር ቴድሮስ ካሳሁን ብወግዒ ከይዝርጋሕ ከምዝኸልከሎ ቢቢሲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓ [...]