መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓዳስ ኣልቡም ቴዲ ኣፍሮ ከይትዝርጋሕ ይእግድ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓዳስ ኣልቡም ቴዲ ኣፍሮ ከይትዝርጋሕ ይእግድ

Radio Erena: 05 September 2017

teddy

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓደስቲ ደርፍታት ንዝሓዘት ሓዳስ ኣልቡም ናይቲ ብቴዲ ኣፍሮ ዝፍለጥ ህቡብ ድምጻዊ እታ ሃገር ቴድሮስ ካሳሁን ብወግዒ ከይዝርጋሕ ከምዝኸልከሎ ቢቢሲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እታ 15 ደርፍታት ዝሓዘት ሓዳስ ኣልቡም ቴዲ ኣፍሮ ናብ ዕዳጋ ንኽትዝርጋሕ ወግዓዊ መመረቕታ ንኽግበረላ ኣብ ሓደ ሆቴል ምቅርራባት ምስ ተወድአ፣ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣቐዲሞም ብምምጻእ ነቲ መደብ ከምዝሰረዝዎ ወኪል ቢቢሲ ካብታ ሃገር ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ቴዲ ኣፍሮ፣ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብዛዕባ ምስራዝ እቲ መደብ ይኹን ምኽልካል እታ ኣልቡም ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህቦም ወግዓዊ መግለጺ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

እታ ኣልቡም ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ዕዳጋ ድሕሪ ምቕልቃላ፣ ኣብቲ ብብዝሒ ዝተሸጠሉ ቁጽሪ ብደረጃ ዓለም ዝወሃቦ መስርዕ ቢልቦርድ፣ (Billboard World Albums chart ) ንኣስታት ሓደ ሰሙን ዝኸውን ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ምንባራ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት እታ ሃገር ኣብ 11 መስከረም ክካየድ ተወጢኑ ንዝነበረ ምርኢት ቴዲ ኣፍሮ’ውን ሰሪዝዎ ከምዘሎ ጸብጻብ ቢቢሲ ብተወሳኺ የመልክት።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0