ሱዳን፣  ኣብ ዶብ ሊብያ ዝሓዘቶም 40 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ መሊሳ

ሱዳን፣ ኣብ ዶብ ሊብያ ዝሓዘቶም 40 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ መሊሳ

Radio Erena: 05 September 2017

sudan deport

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዝዎም 40 ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ከምዝጠረዝዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ዝተታሕዙ 40 ኤርትራውያን፣ ኣብ ካርቱም፣ ከባቢ ዓረቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም ዝሓለፈ ሰሙን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ተረኪቦም ዘለዉ።

ፖሊስ ሱዳን ንገሊኦም ክሳብ 5 ሽሕ ፓውንድ እታ ሃገር ዝግመት ገንዘብ ከም መቕጻዕቲ ክኸፍሉ ድሕሪ ምግዳድ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘረከብዎም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይጠቅስ።

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ መኪና ተጻዒኖም ዶብ ሊብያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 105 ኤርትራውያን ድሕሪ ምሓዞም ፣ ነቶም 40 ፈልዮም ኣብ ካርቱም፣ ዓረቢ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክወስድዎም እንከለዉ፣ ነቶም ሓንቲ ነፍሰጾር እትርከቦም 65 ግና ናበይ ከምዘእተውዎም ብንጹር ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዜና ሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ካብ ከተማታት ገፊፉ ይኹን ዶብ ሊብያ ክሰግሩ ንዝሓዞም ኤርትራውያን በብእዋኑ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከረክብ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣብ ከባቢታት ፎርቶ ሳዋ፣ ኣደርሰርን ካልእን ኣሲርዎም ድሕሪ ምጽናሕ ነቶም ዘይተዓለሙ ናብ ታዕሊም፣ ነቶም ካብ ኣሃዱታቶም ዝሃደሙ ከኣ ናብ ተሃድሶ ከምዝልኣኹ ይገብር ከምዘሎ ይፍለጥ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0