መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት ክጻረይ ዘውጸኦ መምርሒ ዕንቅፋት የጋጥሞ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት ክጻረይ ዘውጸኦ መምርሒ ዕንቅፋት የጋጥሞ

Radio Erena: 07 September 2017

cham_commመንግስቲ ኤርትራ፣ ወነንቲ ኣባይትን ትካላትን ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት (ሊብረቶ ወይ ሊቸንሳ) ከጻርዩ ንዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፣ ብሰንኪ ኣብያ ምኽፋል ክልተ ካብ ሚእቲ ናይቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣባላት ስድራቤታት መሰናኽል ይገጥሞ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ መንግስቲ ዘውጽኦ መምርሒ፣ ኣብቲ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት ኣስማቶም ዝተጠቕሱ ወረስቲ ሕጂ ዘለውዎ ቦታን ክሕብሩ’ዩ ዝጠልብ።

ኣብ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት ኣስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ ወረስቲ፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተ ኾይኖም ካብ ምምሕዳርን ኣሃዱታቶምን ናይ ድጋፍ ወረቓቕቲ ከምጽኡ ክሕተቱ እንከለዉ፣ ኣብ ውጻኢ ሃገራት ናይ ዝርከቡ ከኣ፣ ካብ ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ካብ ሚእቲ ናይ ዝኸፍልሉ ሰነድ ከቕርቡን’ዮም ዝግደዱ።

 

ይኹን’ምበር ሓያሎ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኣባላት ስድራቤታት፣ ነቲ ናብ መግስቲ ኤርትራ ክልተ ካብ ሚእቲ ምኽፋል ዝብል ተቓዊሞሞ ይርከቡ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ሓድሽ መምርሒ ዘውጽእ ዘሎ፣ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ብስደት ተጸልያ ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ናብ ስደት ዘምርሑ ኣባላት እታ ስድራ ድማ ኣብ ንጥፈታት ተቓውሞ ከምዘየለውን ምስ ኤምባሲ ተቖሪኖም ከምዝርከቡን ንምቁጽጻር ምዃኑ’ዩ ዝጥቀስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦምን ክልተ ካብ ሚእቲ ከፊሎምን ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝተፈቕደሎም ሓያሎ ኤርትራውያን ወነንቲ ሊፕሬቶታትን ሊቸንሳን ንግዜኡ ዋንነቶም ከሕድሱ ከምዘይተፈቕደሎም እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0