Category: ዜና ኤርትራ
መንግስቲ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 20 ሰባት ቀዪዱ
ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ብምስግጋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 20 ሰባት ኣብ ከሰላ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ዝርዝር ሓበሬታን ኣስማትን ናይቶም ኣብ ቀይ [...]
ንዝምድና ብሪጣንያን ኤርትራን ብዝምልከት ሕቶ ቀሪቡ
ብሪጣንያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ወፍሪ ዕደና ኣብ ዝተዘራረበትሉ እዋን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ኣልዒልዎ’ዩ ክትብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ባሮነስ ዋርሲ ኣፍሊጣ። እታ በዓልቲ ስልጣን ብሪጣንያ ነዚ ዘፍለጠ [...]
”ኤርትራ ንኢራን ኣየጥቀትን” ኣምባሳደር መሓመድ
ኤርትራ ንኢራን ብምትሕብባር ተቓወምቲ የመን ተዕጥቅ ኣላ ንዝብል ኣብ ጋዜጣታታት የመን ኔሽንንን ጋዜጣ ኣል ሻርቕ ኣልኣውሳጥን፣ ንዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ መሓመድ ናይ ኣሉታ ምላሽ ከምዝሃበሉ ሰሙናዊ [...]
ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየር ተቓውሞ ኣስሚዖም
ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ንምሕደራ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ኣብ ኣኼባ ከምእተቓወምዎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ኣብ ዝልኣኹልና ሓብሬታ፣ ኣብቲ ንኣብረርትን ኣዘዝቲ ሓ [...]
መ. ኤርትራ፣ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀመላ ሓንቲ መርከብ ኣምጺኡ
መንግስቲ ኤርትራ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቕል፣ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀመላ ሓንቲ ዓበይ መርከብ ኣብ ወደብ ባጽዕ ኣጸጊዑዋ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም። እታ ኣብ ወደብ ባጽዕ ተጸጊዓ ዘላ ዓባይ ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ብኹሉ ሸነኻታ ባን [...]
ምንቅስቓስ ደምህት ኣብ ኣስመራ፣ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥር
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብንጹር ኣብ ዘይፍለጠሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ብምሉእ ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ዝቖመ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ትግራይ ማለት ደምህት ዘካይዶ ዘሎ ምንቕስቓስ፣ ንህዝቢ ከተማ ኣስመራን ሓይሎ ከባቢታት ዓድን ሻቕሎት ይፈጥረሉ [...]
ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ይቕጽል ኣሎ
ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ ንፎርቶ ብምቁጽጻር፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ቅዋም ድማ ክትግበርን ዝጠልብ ንዘቕርብዎ ጻውዒት ንምድጋፍ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ዝተጀመረ ናይ ኤርትራውያን ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮ [...]
ኣብ ኤርትራ ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍቲ ይቕጽል
ምስቲ ብሰኑይ 21 ጥሪ ኣብ ከባቢ ፎርቶ ዝተኻየደ ፍጻሜ ብዝተሓሓዝ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፣ ኣምሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጦፎ ኑርሑሴን፣ ኮሎኔል ሳልሕ ዑስማንን ኮሎኔል ስዒድ ዓሊን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሬድዮ ኤ [...]
”ፈተነ ወትሃደራዊ ዕለዋ’ዩ ኢልካ ምዝራብ ዝተጋነነ’ዩ” ሮጀር ኣኩ
ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ነበር ሮጀር ኣኩ፣ 21 ጥሪ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ወትሃደራዊ ኩነታት፣ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕለዋ’ዩ ኢልካ ምዝራብ ዝተጋነነ’ዩ ክብል ገሊጹ። እቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ፈረን [...]
ኣብ መዓስከር ሸገራብ፣ ሓደ ኤርትራዊ ብጥይት ተሃሪሙ
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ፣ ኤርትራውያን ኣንጸላልይዎም ካብ ዘሎ ናይ ጭውያታት ፍጻሜ ንምክልኻል ኣብ ዝሃቀንሉ እዋን ብዝተወልዐ ግጭት፣ ሓደ ኤርትራዊ ብጥይት ተሃሪሙ ቆሲሉ። እቲ ኣብ 20ን 21ን ጥሪ ኣብ ሸገረን ዝተኻየ [...]