መ. ኤርትራ፣ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀመላ ሓንቲ መርከብ ኣምጺኡ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቕል፣ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀመላ ሓንቲ ዓበይ መርከብ ኣብ ወደብ ባጽዕ ኣጸጊዑዋ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።

    እታ ኣብ ወደብ ባጽዕ ተጸጊዓ ዘላ ዓባይ ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ብኹሉ ሸነኻታ ባንዴራ ኤርትራ እናምበልበለት፣  ብሩህ መጻኢ ኤርትራን ካልእን ዝብል ጭርሖታት’ውን ተተኺሉላ ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።

    እታ መርከብ ካበይ ከምዝመጸትን ናይ መን ምዃናን እኳ ክረጋገጽ እንተዘይክኣለ፣ ዋንነታ ናይ ሓደ ናይ ፓኪስታን ናይ መጓዓዝያ ባሕሪ ትካል ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታት ኣሎ።

    መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2005’ውን ‘መርከብ ሓራት’ ዝሰመያ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ መርከብ ከምዓደገ ኣብ እዋን ፈንቅል ጽዑቕ ጎስጓስ ከምዘካየደላ ዝዝከር ኮይኑ፣ እታ ንፕሮፖጋንዳ ተሸላሊማ ዝመጸት መርከብ ብኣህጉራዊ በዓል ስልጣን መጓዓዝያ ባሕሪ ናብ ዝኾነ ወደብ ከይትጽጋዕ ዝተኸልከለት ዝኣረገት ብምዃና ድሕሪ’ቲ እዋን እቲ ኣብ ባሕሪ ከምዘየንሳፈፈት እቶም ዝተወከስናዮም ምንጭታት የረድኡ።

    ኤርትራውያን ሰብ ርእሰ ማል ኣብ ኤርትራ ከውፍሩ ዝዕድም ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ንምትብባዕ ናይ ኣገልግሎት ወደባት ታሪፍ ከምዘጉደሎ እኳ እንተፍለጠ፣ ወደባት ኤርትራ ከምቲ ዝድለ መራኽብ ክጽግዕኦ ኣይረኣያን’የን።

    እቲ ዝበዝሐ ኣገልግሎቱ ንኢትዮጵያ ዝነበረ ወደብ ዓሰብ፣ ካብ 1998 ኣትሒዙ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ደስኪሉ ከምዘሎ’ዩ ዝንገረሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0