ንዝምድና ብሪጣንያን ኤርትራን ብዝምልከት ሕቶ ቀሪቡ

ብሪጣንያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ወፍሪ ዕደና ኣብ ዝተዘራረበትሉ እዋን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ኣልዒልዎ’ዩ ክትብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ባሮነስ ዋርሲ ኣፍሊጣ።

    እታ በዓልቲ ስልጣን ብሪጣንያ ነዚ ዘፍለጠት፣ መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ምስቲ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ዝተነብረሉን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝውቐስን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ወፍሪ ኣብ ዕደና ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዱ ንዝብል ብ30 ጥሪ ብኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ንዝቐረበ ሕቶታት፣ ኣመልኪታ ብኣርባዕተ ለካቲት ኣብ ዝጽሓፈቶ ወግዓዊ ደብዳቤ’ዩ።

    ንሳ ኣብ ደብዳቤኣ መንግስቲ ብሪጣንያ ዓሚ ከምዚ ዕለት ኣብ 12 ለካቲት  ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ተኽእሎታት ወፍሪ ኩባንያታት ብሪጣንያ ብዝምልከት ዘተ ከምዘካየደ ብምርግጋጽ፣ እዚ ግና መንግስቲ ብሪጣንያ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ስለዘይፈልጦ ከምዘይኮነ ኣመልኪታ።

    ብሪጣንያ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣዝዩ ከምዘተሓሳስባ ብምሕባር ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላቱ ንከመሓይሽ ናይ ዝርርብ ባይታ ምፍጣር ኣገዳሲ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘሎ  ኣረዲኣ።

    ንሳ ኣብቲ ባይቶ ሃውስ ኦፍ ሎርድስ ናይ ብሪጣንያ ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን፣ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቲ ብሪጣንያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዘይንጹር ምትእስሳር ብዝምልከት ንዝቐርበላ ዝነበረ ሕቶታት፣ ሓጺር መልሲ ድሕሪ ምሃብ ነቶም ሕቶታት ዘቕረቡ ብወግዓዊ ደብዳቤ ምላሽ ክትህቦም ምዃና ብዝኣተወቶ መብጽዓ’ያ ነቲ ደብዳቤ ብ4 ለካቲት ዘርጊሓቶ።

    ብሪጣንያ ምእንቲ እቲ ኣብ ኤርትራ ክህልዋ እትደሊ ዘላ ናይ ዕደና ወፍሪ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ድርብ መለክዒታት ትኽተል ከምዘላ ዝሓበሩ ተንተንቲ ፖለቲካ ድማ፣ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ኤምባሲ ብሪጣንያ ዓሚ ዝተኸፍተሉን፣ ብሪጣንያ ናብ ኤርትራ ኣምባሳደራ ዝልኣኸትሉን ምኽንያት ምስዚ ከምዝተሓሓዝ ኣረዲኦም።

    መንግስቲ ኤርትራ ንንጥፈታት ኤምባሲ ብሪጣንያ ዕንቕፋታት ይገብር ኣሎ ብዝብልን ምስ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰርን  ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኤምባሲኡ ናብ ደረጃ ቆንስል ጥራይ ኣውሪድዎ ከምዝነበረ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0