ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ይቕጽል ኣሎ

ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ ንፎርቶ ብምቁጽጻር፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ቅዋም ድማ ክትግበርን ዝጠልብ ንዘቕርብዎ ጻውዒት ንምድጋፍ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ዝተጀመረ ናይ ኤርትራውያን ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ይቕጽል ኣሎ።

    እቲ ኣብ ለንደን ንኤምባሲ ኤርትራ ብምውራር ዝተጀመረ ንደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ሰራዊት ንምድጋፍ ብኤርትራውያን ዝተጎሃሃረ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ዛጊት ኣሰሩ ዝሰዓበ ኣብ ሽወደንን ጀርመንን’ውን ተመሳሳሊ ሰልፍታት ክካየድ እንከሎ፣ ኣብ ኢጣልያን ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳን’ውን ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

    መንግስቲ ኤርትራ፣ነቲ ብ21 ጥሪ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘጋጠመ ክስተት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ኣምባሳደር ኤርራ ኣብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ዝርከቦም ኣባላት እቲ መንግስቲ ግና፣ ኣቖናጻቢ ምላሽ ክህቡ ይስምዑ ኣለዉ።

    እዚ ናይ 21 ጥሪ ታሪኻዊ ፍጻመ፣ ኣብ ወሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ትንታነታት ይብሉ ዘለዉ ኮይኑ፣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስትን ደምበ ተቓውሞን ንዝጸንሐ ምትፍናን ድማ ሰማይ ኣዕሪግዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0