Category: ኣህጉራዊ ዜና
ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ መሰል ህዝቢ ሲዳማ፣ ደቂንስትዮ ጥራይ ዝተሳተፍኦ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዋሳ፣ መሰል ክልል ህዝቢ ሲዳማ ክሕሎ ዝጽውዕ፣ ደቂንስትዮ ጥራይ ዝተሳተፍኦ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቲ ኣሽሓት ኣዴታትን መንእሰያት ደቂንስትዮን ጥራይ ዝተሳተፍኦ ሰለማዊ [...]
ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ሱዳን ብሰፊሑ ይቕጽል
ንፕረዚደንት ኣልበሽር ስልጣኑ ክገድፍ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ሱዳን ብሰፊሑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣዛዚ ሰራዊት’ታ ሃገር ምስ ህዝቡ ክውግን ጻውዒት ቀሪቡ።
ኣብዚ ዛጊት ካብ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝበዝሐ ህዝቢ ከምዝተሳ [...]
ኬንያን ሶማልን፣ ኣምባሳደራትን ክመልሳ ተሰማሚዐን
ብሰንኪ ዋንነት ክሊ ማይ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያን ሶማልን፣ ኣምባሳደራትን ክመልሳ ተሰማሚዐን።
እዘን ክልተ ሃገራት፣ ነዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፣ ጸሓፊት ካቢነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ሞኒካ ጁማ ምስ ሶማላዊ መዘ [...]
ጅቡቲን ርዋንዳን፣ ኣብ ምስፋሕ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ብሓባር ክሰርሓ ይሰማምዓ
ጅቡቲን ርዋንዳን ናይ ሓባር ናጻ ናይ ንግዲ ዞባታት ንምስፋሕ ኣብ ምርድድእ በጺሐን።
ሰብ መዚ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ክልትኤን ሃገራት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝኸተምዎ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ጅቡቲ ኣብ ርዋንዳ 10 ሄክታር መሬት [...]
ሱዳን፣ 150 ኩንታል ሓሺሽ ተታሒዙ
ፖሊስ ሱዳን፣ 150 ኩንታል ሓሽሽ ከምዝሓዙ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
እቲ ብሰሉስ 2 ሚያዝያ ኣብ ከባቢ ኡምዱርማን ዝተታሕዘ ሓሺሽ፣ ብመልክዕ ከኒናን ካልእን ዝተዳለወ ምዃኑ ጸብጻብ ፖሊስ ገሊጹ።
ኣዛዚ ስርሒታት ምቑጽጻር [...]
ኤርትራ፣ ህግደፍ ብዝሓደሮ ሻቕሎት ዝካየድ ዘሎ ዘመተን ጎስጓስን ይቕጽል
ኣብ ኤርትራ፣ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ምስጢራዊ ስምምዓት፣ ብዝተፈጥረ ሻቕሎትን ዘይምትእምማን ዝካየድ ዘሎ ሰሚናራት ይቕጽል ምህላዉ ተሓቢሩ።
በዚ መሰረት፣ ብርጋዴር ጀነራል ኢ [...]
ሶማል ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምስርት ኣለዋ ዝብለ በዓል ስልጣን ካብ መዝነቱ ተሰጕጕ
ሶማል ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምስርት ኣለዋ ዝብል መርገጺ ዘለዎ ሶማላዊ በዓል ስልጣን ካብ መዝነቱ ከምዝተሰጎጕ ሬድዮ ዳስላን ካብ ሞቛድሾ ሓቢራ።
እቲ ዓብዱላሂ ዱል ዝተባህለ፣ ዳይረክተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፣ ሶማል ምስ [...]
ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ድሕሪ 20 ዓመታት ካብ ስልጣን ተኣልዩ
ኣንጻሩ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቓ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት፣ ኣቐዲሙ ብ1 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ኣብ 28 ሚያዝያ ሚያዝያ፣ [...]
ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት፣ ንኢትዮጵያውያን እንተዘይኮይኑ፣ ንኤርትራውያን ኣብ ናይ ጎደና ሸቐጥ ከይዋፈሩ ዝኽልክል መጠንቀቕታ ይመሓላለፍ
ኣብ ከተማታት ተሰነይ፣ ባረንቱ፣ መንደፈራ፣ ዓዲዃላን ካልእ ከተማታት ኤርትራን፣ ኣብ ጎደናታት ዝካየድ ሸቐጥ ንኢትዮጵያን እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ክልኩል ምዃኑ፣ መጠንቀቕታ ይመሓላለፍ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
እዚ [...]
ኤርትራ ዝመበቆሉ ኣመሪካዊ “ራፐር” ተቐቲሉ
ብ "ኒፕሲ ሃስል" ዝፍለጥ፣ ኤርምያስ ደቪድሰን ኣስገዶም ዝተባህለ ኤርትራ ዝመበቖሉ ኣመሪካዊ ደራፋይ ተቐቲሉ።
ኤርትራዊ ኣመሪካዊ፣ ናይ "ራፕ" ዓይነት ሙዚቓ ደራፋይ፣ ኣብ ካሊፎንያ፣ ሎስ ኣንጀሎስ ኣብ ዝርከብ ትካል መሸጣ ጨርቃ ጨር [...]