ኤርትራ፣ ህግደፍ ብዝሓደሮ ሻቕሎት ዝካየድ ዘሎ ዘመተን ጎስጓስን ይቕጽል

ኤርትራ፣ ህግደፍ ብዝሓደሮ ሻቕሎት ዝካየድ ዘሎ ዘመተን ጎስጓስን ይቕጽል

ኣብ ኤርትራ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ምስጢራዊ ስምምዓት፣ ብዝተፈጥረ ሻቕሎትን ዘይምትእምማን ዝካየድ ዘሎ ሰሚናራት ይቕጽል ምህላዉ ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት፣ ብርጋዴር ጀነራል ኢዮብ ሓሊባይ፣ ብቀዳም 30 መጋቢት ኣብ መዓስከር ደንደን (ቓኘው) ንዝነብሩ ተጋደልቲን ስንኩላን ኵናትን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብ፣ ጉዳይ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን ንኤርትራ ዝህልዎ ስግኣት፣ ቅዋም ስለምንታይ ዘይትገብር? ኩነታት እሱራት ገዳይም ተጋደልቲን መሪሕነትን ህዝባዊ ግንባር ነበርን ካልኦት ዝብሉ ሕቶታት ተላዒሎም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ንስንኵላን ኵናት ተባሂሉ ኣብ ማይ-ተመናይ ዝተሃንጸ መንበሪ ኣባይቲ ስለምንታይ ናብ ካልእ መዓላ ውዒሉ ዝብል ቁጠዐ ዝተሓወሶ በዳሂ ሕቶታት ብስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ ቀሪቡ።


ኣብ ማይ-ተመናይ፣ ንስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ ተባሂሉ ዝተሃንጸ መንበሪ ኣባይቲ፣ ንእሙናት ኣገልገልቲ ናይቲ ስርዓት ከምዝተዓደለ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ዘመተን ጎስጓስን ሰሚናር፣ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፣ ንኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ብዓርቢ 29 መጋቢት ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኤርትራ (ኣጂፕ) ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ተመሳሳሊ ሕቶታት ቀሪብሉ።

እቶም ነቲ ሰሚናራት ዝመርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፣ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝውሕዝ ዝነበረ ሕቶታት ከም ናይ ወትሩ፣ ብግዝኡ ክግለጺ’ዩ፣ ሕቶታትኩም ናብ ላዕለዋይ መሪሕነት ከነሰጋግሮ ኢና ዝኣመሰሉ ዝተለምደ መልስታት’ዮም ሂቦምሉ።

ብፍላይ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝድፍኣሉ ዘሎ፣ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምቛም ባሕሪ ናይ ምውናን ህንጡይነት፣ ውዒሉ ሓዲሩ ንህዝቢ ኤርትራ ዘስግእ’ዩ ዝብል ሕቶታት ተላዒሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከቲምዎ ዘሎ ንህዝቢ ዘይተነግረ ምስጢራዊ ስምምዓት፣ ነቲ ህወይት 10ታት ኣስሓት ኤርትራውያን ዘህለቑ ጉዳይ ምሕንጻጽን ምምልካትን ዶባት ጎስዩ፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ወደባትን ካልእን ስልጣን ንምንዋሕ ዝሕግዝዎ ፖለቲካዊ ውዕላትን ጥራይ የተኩር ብምህላዉ፣ ኣብ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ዘይምትእምማን ፈጢሩ ይርከብ።

ንኣዋርሕ ዝኣክል ዝኾነ መብርሂ ወይ መግለጺ ከይሃበ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሻቕሎት ስለ ዝርከብ፣ እሙናት ካድራቱ እናዋፈረ ንህዝብን ሰራዊትን ዘመተን ጎስጓስን ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስን ዘመተን፣ ምስቲ ኣብ 2001፣ ድሕሪ ምእሳር ላዕለዎት ስበ ስልጣን መንግስቲ ነበርን ጋዜጠኛታትን ዝተኻየደ ሰሚናራት ተመሳሳሊ ጻዕቂ ከምዘለዎ ይሕበር።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0