Category: ዜና ኤርትራ
ሓድሽ ፕሮጀክት ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ ኣስመራ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዘይኮነ ካዝና መንግስቲ ንምድንፋዕ ዝዓለመ’ዩ ተባሂሉ
ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ከቢድ መዋጥር ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ዜጋታት መንበርን ናይ ትካላት ኣባይትን ብምህናጽ ክሸጠሎም መዲቡ ከምዘሎ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ ነቶም ኣብ ወጻኢ [...]
መጓዓዝያ ካብን ናብን ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን እናበኣሰ መጺኡ
ካብ ኣስመራ ናብ ካልኦት ከተማታት ዝገይሽ ህዝቢ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ መጓዓዝያ ሪጋ ንምሓዝ ኣብ ፈቐዶ እንዳውቶቡሳት ይሓድር ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም። ብህግደፍ ብዝውነን ኩባንያ ሓራት ተባሒቱ ዝርከብ ካብን ናብን ኣስመ [...]
ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ፕሮግራም ኣምሓርኛ ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም ብኽሲ ስግረ ዶብ ንኻልኣይ ግዜኡ ተኣሲሩ
ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣባል ክፍሊ ኣገልግሎታት ወጻኢ፣ ፕሮግራም ኣምሓርኛ ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም፣ ብክሲ ስግረ ዶብ ንኻልኣይ ግዜኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተወ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም። ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም፣ ኣቐዲሙ [...]
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሙጋበ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ
መንግስቲ ኤርትራ፣ ደጊሙ ከምዝተዓወተ ንዝገለጸ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ናይ እንቛዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ከምዝልኣኸ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። እቲ ብመንገዲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤምብሲ ኤርትራ ኣቢሉ ናብ ፕረዚደንት [...]
ኣብ ኣስመራ ጸልማት ተጎልቢቡ ዝፍጸም ዝምታን ክትራንን ይስዕርር።
ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ጸላማት ተጎልቢቡ ዝፍጸም ዝምታ እናዛየደ ይምጸእ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ፣ ጉዳይ ስርቕን ዝምታን ካብ ኣውራ ዕላላት ኮይኑ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ብፍላይ [...]
ዒድ ኣልፈጥሪ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ብድምቐት ተባዒሉ።
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣመንቲ ምስልምና፣ ንዒድ ኣልፈጥሪ ብድሙቕ ሃይማኖታዊ በዓል ጸንቢሎሞ። ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወጻኢ ሃገራትን ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና፣ ኣብ ከከተማኦም ናብ ዝርከብ መሳጊድ ብምዃድን ናይ ሓ [...]
ብሪጣንያ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ምኽፋል ክልተ ካብ ሚእቲ እናቐጸሎ ምጽቓጣ ትንቐፍ
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምእካብ ዘይሕጋዊ ክልተ ካብ ሚእቲ እናቐጸሎ መንግስቲ ብሪጣንያ ስቕታ ምምራጹ ኒውስ ስቴትስ መን ነቒፋ። እቲ ማዕከን ዜና፣ ብሪጣንያ ንኤምባሲ ኤርትራ መጠንቐቕታ ሂባ [...]
ካብ ጢዖ ዝተበገሱ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሃለዋቶም ጠፊኡ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ጢዖ ተበጊሶም ብንእሽቶ ጃልባ ቀይሕ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብ የመን ንምስጋር ዝፈተኑ 10ታት ኤርትራውያን ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም። እቶም ብውሕዱ ሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝርከ [...]
”መንግስቲ ኤርትራ፣ ሕጂ’ውን ጸጥታ ሶማልያ ንምዝራግ ይሰርሕ ኣሎ” ተቖጻጻሪ ጉጅለ
ካብ 2009 ኣትሒዙ ንዝተነብረሉ እገዳ ክልዓል ዝሓትት ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሕጂ’ውን ኣንጻር መንግስቲ ሶማል ንዝኾኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ብምድጋፍ ጸጥታ እታ ሃገር ንምዝራግ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት [...]
መ. ኤርትራ፣ ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ናብ ማእቶት ከዋፍሮም’ዩ
ብምሕድራ ዓቕሚ ሰብ ባይታ ዘቢጡ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣቐዲሙ ብረት ንዝዕጠቖም ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ናብ ማእቶታዊ ንጥፈታት ከዋፍሮም መዲቡ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም። እቶም ብምምሕዳራት ተወ [...]