መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምድንጓያት፣ ናይ ኣስመራ-ግብጺ በረራታቱ ንግዜኡ ደው ከብል ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምድንጓያት፣ ናይ ኣስመራ-ግብጺ በረራታቱ ንግዜኡ ደው ከብል ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 13 July 2016

Erilines

ኣብ ግብጺ ተደጋጋሚ ምድንጓያት ኣጋጢምዎ ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ብሰንኪ ዘዋህለሉ ዕዳ፣ ካብ ኣስመራ ናብ ካይሮ ዘካይዶ ዝነብረ በረራታት ንግዜኡ ደው ከብል ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ብዘጋጠሞ ተደጋጋሚ ምድንጓያትን ቴክኒካዊ ጸገማትን ናይ ኣገልግሎት ዕዳ ስለዘለዎ’ዩ ናይ ካይሮ በረራታቱ ደው ከብል ምዃኑ ዝንገር ዘሎ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ንመዓልታት ተደናግዮም ዘለዉ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝርከብዎም ገያሻ ከኣ ብመተካእታ ብመንገዲ ኣየር ግብጺ ናብ ካርቱም ኣስመራን ክፋነዉ ምዃኖም’ውን እቲ ማዕ ካብ ግብጺ ዝመሓላለፍ ዘሎ ዜና የመልክት።

 

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ካብ ካይሮ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት፣ ብዝሒ ገያሾ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ክሳራታት ስለዘጋጠሞ ደው ከብል ተደጋጋሚ ካብ ኣመሓደርቲ እቲ መንገዲ ኣየር ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ይቐርብ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ምኽንያት ግና እቲ መንገዲ ኣየር ክቕጽል ከምዝተደፋፍአ ‘ኤልባላድ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ግብጺ ኣመልኪቱ።

ሓለፍቲ መንገዲ ኤርትራ፣ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልታት ዝወሃብ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት ብውሕዱ ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ንምቕጻሉ ምስ ሰበ ስልጣን ኣቭየሽን ግብጺን ኣገልግሎት መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮን ኣብ ምዝርራብ ከምዘለዉ ይሕበር።

ኣብ 2014 ብኽራይ ብዘምጽአን ክልተ ነፈርቲ ስርሑ ዳግም ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ኣስመራ-ጂዳ ዝተኣሰሰር በረራታቱ’ውን ተመሳሳሊ ምስንኻላት ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0