95% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣገልግሎት ሞባልይ ቴሌፎን ክረክብ ኣይከኣለን

ካብ 5.7 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ እቲ 95 ሚእታዊት ተጠቓሚ ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን ክኸውን ከምዘይክኣለ ተሓቢሩ።

ኤርትራ ኣብ ዓለም እታ ዝወሓደ ተገልጋሊ ሞባይል ቴሌፎን ዘለው ሃገር ምዃና’ውን ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

 

ብመሰረት እቲ ካብ ዝተፈላለየ ወሃብቲ ኣገልግሎታት ቴሌፎን ማለት ኦፐሬተራት ዝተኣከበ ሓበሬታ፣ ካብ ኣስታት 5.7 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ እቲ 5 ሚእታዊ ጥራይ’ዩ ሞባይል ቴሌፎን ናይ ምጥቓም ዕድል ረኺቡ ዘሎ።

እዚ ማለት ብደረጃ ሃገር ክነጻጸር እንከሎ ክንዲ ፍርቂ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ጥራይ’ዩ ሞባይል ክውንን ክኢሉ ዘሎ።

ከተማ ኣስመራ ኣስታት 630 ሽሕ ህዝቢ ነብሪ ክህልዋ እንከሎ ብደረጃ ሃገር ሞባይል ቴሌፎን ወኒኖም ዘለዉ ግና 310 ሽሕ ጥራይ’ዮም።

እቶም ሞባይል ቴሌፎን ክውንኑ ዕድል ዝረኸቡ’ውን ብሰንኪ ቀጻሊ ምቁራጽ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ ነተን ኣብ ኤርትራ ዝፍቐዳ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ምድዋልን ጻውዒት ምቕባልን ብስሩዕ ክረኽቡወን ከምዘይክኣሉ’ዩ ዝግለጽ።

ንኤርትራ ተኸቲላ ዝወሓደ ተጠቓሚ ኣገልግሎት ቴሌፎን ዘለዋ ሃገር ተባሂላ ኣብ ካልእይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ በርማ ወይ ሚያንማር ክትከውን እንከላ ካብ ሰለስተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝባ እቲ 6 ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ሞባይል ቴሌፎን ወኒኑ።

ድሕሪ በርማ ወይ ሚያንማር፣ ዝወሓደ ተጠቃሚ ሞባይል ቴሌፎን ዘለወን ተባሂለን ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ተረቝሐን ዘለዋ ሃገራት ሰሜን ኮርያ፣ ኩባ፣ ኢትዮጵያ፣ ማዳጋስካር፣ ማላዊ፣ ዴሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ብሩንድን’የን።

ኣብዚ ናይ ቴክኖሎጅን ሓበሬታን እዋን፣ ረቒቕ ናይ ሞባይልን ኢንተርነትን ምዕባለ ተኣታትዩ ህዝቢ ሓያሎ ሃገራት ዓለም ካብ ክልተ ንላዕሊ ሞባይላት ክውንን ክኢሉ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ 95 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ መባእታዊ ኣገልግሎታት ቴሌፎን ክረክብ ብዘይምኽኣሉ እታ ሃገር ካብ ቴክኖሊጅን ሓበሬታን ኣዝያ ርሒቓ ከምዘላ ዘመልክት’ዩ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0