“መንግስቲ ኤርትራ ዘቤታውን ኣህጉራውን ሕግታት ይጥሕስ ኣሎ።” ካትሪን ኣሽተን

መንግስቲ ኤርትራ ምግሃስ ዘቤታውን ኣህጉራውያን ሕግታት ይቕጽሎ ኣሎ ክትብል ላዕለወይቲ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳያት ወጻእን ፖሊስ ጸጥታን ከምኡ ድማ ምክትል ፕረዚደንት እቲ ኮሚሽንን ካትሪን ኣሽተን ወቒሳ።

 

እታ ላዕለወይቲ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ዝወቐሰ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ 18 መስከረም ምቕያድ ላዕለዎት ስበ ስልጣን መንግስቲ ነበረን ጋዜጠኛታትን ኣብ ዝዘርግሓቶ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ።

ኣብቲ ካብ ንሳ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንሃለዋይ ናይቶም ንልዕሊ 12 ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ እሱራት ኣመልኪቱ ሓበሬታ ክህብ’ውን ሓቲታ።

ኣብ 2013 ንሒደት ጋዜጠኛታት ከምዝፈትሐ ዝሓበረት ካትሪን ኣሽተን፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኣስመራ ፎርቶ ኣብ 21 ጥሪ ዘጋጠመ ኩነታት ድማ ሓያሎ ካልኦት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣብ መግለጺኣ ኣስፊራ።

ንውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ዝኸተመ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስታ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክከታተል ዝተመዘዘት ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምትሕብባር ከተርኢ’ውን እታ ላዕለወይቲ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ተማሕጺና።
=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0