ሊብያ: ኤርትራውያን ዝርከብዎም 207 ስደተኛታት ቀይዳ

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 207 ስደተኛታት ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።

ቴሌቪዥኝ ሊብያ ትማሊ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እቶም 29 ደቂንስትዮን ቆልዑን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ተሰቒሎም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ዝብገስሉ ዝነበሩ እዋን’ዮም ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም።

 

ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣዮብ ቓስም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ምዃኖም ዝገለጾም ስደተኛታት ድሕሪ ምትሓዞም ኣብ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኾምስ ተቐይዶም ከምዘለዉ ብምጥቃስ ነናብ ዓዶም ክጥርዞውም ምዃኖም ሓቢሩ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሊብያ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝመጹ ኣስታት 3044 ስደተኛታት ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ነሓሰ ጥራይ ብ27 ንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ከምእተበገሰኡ ኣመልኪቱ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ዳግም ገኒንሉ ኣብ ዘሎ፣ መዓልታዊ 10ታት ኤርትራውያን ካብ ሱዳን ተበጊሶም ሰሃራ ብምስንጣቕ ናብ ሊብያ ይኣትዉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ኣዝዩ ክጎድል እንከሎ፣ በንጻሩ ድማ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምምመንገዲ ሰሃራ ናብ ሊብያ እናበዝሐ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ደላሎን’ውን መንገዲ ሊብያ ውሑስ’ዩ ዘሎ እናበሎ ንኣማኢት ኤርትራውያን ካብ ሱዳን የበግስዎም ምህላዎም ይንገር።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0