ሽወደን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እትኽተሎ ሰላሕታዊ ዲፕሎማሲ ክትቕይር ጸውዒት ቀሪቡ

ሽወደን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እትኽተሎ ሰላሕታዊ ዲፕሎማሲ ክትቕይር ጸውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 24 September 2015

Dait Seyoum

81 ጋዜጠኛታት ሽወደን ፣ መንግስቲ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ኤርትራ ተቐይዱ ዝርከብ ናይ ሽወደንን ድርብ ዜግነት ዘለዉ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክኽተሎ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲ ክቕይር ዝሓትት ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ኣሰናዳእቲን ጋዜጠኛታትን ናይ ዝተፈላለያ ጋዜጣታት መደበራት ቴሌቪን ሬድዮን መርበባት ሓበሬታን ዝኾኑ 81 ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት፣ ነዚ ጻውዒት ዘቕርቡ ዘለዉ ብምኽንያት ዝኽሪ 14 ዓመት ማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ’ዩ።

ኣብ 18 መስከረም 2001፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ካብ ዝቕየዱ ጉዳዮም ናብ ፍርዲ ከይቀረበ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 14 ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ይርከብ።

 

ሓደ ካብኣቶም ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ዳዊት ኢሳቕ ኮይኑ፣ ብሰንኩ ንዝምድና ሽወደንን ኤርትራን ከፈሓፍሕ ጸኒሑ’ዩ።

መግስቲ ሽወደን፣ ኣብ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሰላሕታዊ ዲፕሎማሲ ክኽተል እኳ እንተመረጸ፣ እዚ ኣካይዳ እዚ ከዕውት ስለዘይክኣለ፣ ናይ ዲፕሎማሲ ፖሊስኡ ክቕይር’ዮም እዞም 81 ጋዜጠኛታት ዝጽውዑ ዘለዉ።

ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ኣቕሪባቶ ብዘላ ጸብጻብ መሰረት ድማ፣ መንግስቲ ሽወደን ሃለዋት እቲ ናይ ሽወደን ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ንምሕታት ንጡፍ ዲፕሎማሲ ክኽተል ብምጽዋዕ፣ ቀዳማይ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ እታ ሃገር ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሃለዋት ዳዊት ንምሕታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ጥርዓን ዘየቕረብሉ ምኽንያት’ውን ነቒፎም።

ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ሽወደን፣ እቲ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትራ ገዚፍ ልምዓታዊ ሓገዝ ምስልዑ ብስቕታ ምሕላፋ’ውን ኮኒኖም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ብዋን ደይ ስዩም ዝተወደበ “ጀጋኑና ኣበይ ኣለዉ?” ዝብል ጽሑፋት ዘለዎ ወረቓቕቲ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ከምዝተለጠፈ ወከልቲ ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ብዛዕባ’ቶም ን14 ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ጋዜጠኛታት ዝምልከት ደብዳቤታት ብኣምባሳደራት ዋን ደይ ስዩም ናብቲ ኤምባሲ ከምዝተበጽሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ዋን ደይ ስዩም፣ ብጓል ሓብቱ ንጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ፣ መንእሰይ ቫኔሳ በርሀ ዝቖመ ምሕበር ኮይኑ፣ ኣብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራትን ብወለንትኦም ዝነጥፉ ኣምባሳደራት ኣለዉ።

ናይዞም ን14 ዓመታት ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ጋዜጠኛታት ይኹኑ ካልኦት ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን እሱራት ቀዳማይ ተሓታቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይግለጽ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብዚ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሑ ዘሎ ናይ ኤርትራ ዕማማ፣ እቲ ፕረዚደንትን ካልኦት ሰበ ስልጣናቱን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበን ከምዝፈጸሙ ንምኽሳሶም መርትዖታት ኣብ ምእካብ ትርከብ።

===========================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0