ፕረዚደንት የመን ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

ፕረዚደንት የመን ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

Radio Erena: 24 September 2015

Hadiss

ኣብ ስደት ዝጸንሐ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ሪያድ ተበጊሱ ብ22 መስከረም ናብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ኣትዩ።

ሑቲ ንከተማ ሰንዓ ድሕሪ ምቑጽጻሮም ናብ ዓደም ዝሃደም እቲ ፕረዚደንት፣ ገስጋስ ሑቲ ናብ መላእ የመን ድሕሪ ምስፍሕፉሑ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተሰደ ይዝከር።

 

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ሓይልታት ልፍንቲ ንከተማ ዓደን ካብ ሑቲ ሓራ ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተወሰኑ ኣባላት ካቢኔ መንግስቲ የመን ናብታ ከተማ እኳ እንተተመልሱ፣ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ሪያድ’ዩ ጸኒሑ።

ኣቐዲሙ ብዝሃቦ ቃለ መሰረት ከኣ ብምክንያት ዒድ ኣል ኣድሓ፣ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ምምላስ እዚ ፕረዚደንት ኣብታ ሃገር ንዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ የረድኡ።

==========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0