ግዝያዊ ፕረዚደንት ቡርኪና ፋሶ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ዕልዋ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ

ግዝያዊ ፕረዚደንት ቡርኪና ፋሶ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ዕልዋ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ

Radio Erena: 25 September 2015

Kafando

ግዝያዊ ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ሚካኤል ካፋንዶ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ዕልዋ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ።

ዝሓለፈ ሰሙን ብብርጋደር ጀነራል ጂልበርት ድየንደረ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ፣ ብህዝብን ዝበዝሑ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ደገፍ ኣብ ርእሲ ዘይምባሩ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ’ውን ኮኒንዎ’ዩ።

ብፍላይ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ነቲ ዕልዋ ብምኹናን ኣብ ልዕሊ’ቲ ጀነራል ድየንደረ እገዳ ከተግብራ ምዃነን’ውን ኣነጺረን’የን።

 

ግዝያዊ ፕረዚደንት ሚካኤል ካፋንዶ ብሮቡዕ 23 መስከረም ናብ ስልጣኑ ድሕሪ ምምላሱ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ኣንጻር እቲ ወትሃደራዊ ዕልዋ ዘርኣዮ ተቓውሞ ድሕሪ ምምስጋን፣ ንኣበርክቶ ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ንኢዱ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ቡርኪና ፋሶ ኣብ 11 ጥቕምቲ 2015 ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተሎ፣ ድሕሪ’ዚ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ግዝያዊ መንግስቲ ይኹን ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር እንታይ ውሳነ ከሕልፉ’ዮም ኣይተፈልጠን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0